ዋሽንግተን —
ኣብ ኣልጀርያ ሎሚ ረቡዕ ሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ኣልጀርስ ወዲቓ 257 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።
ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ እታ ነፋሪት 30 ኪሎ ሜተር ደቡብ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣልጀርስ ከምዝወደቐት ብተወሳኺ ተፈሊጡ።
ኣብታ ነፋሪት መብዛሕትኦም ወተሃደራውያን ኣባላትን ስድራቤታቶምን ዝነበሩ ክኾኑ እንከለው: ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣልጀርያ ነቲ ሓደጋ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ካብቶም በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ እቶም 147 ተሳፈርቲ እቶም ካልኦት 10 ድማ ኣባላት እታ ነፋሪት ምንባሮም ኣረጋጊጹ ።
ጠንቂ ሓደጋ ናይታ ነፋሪት ዛጊት ኣይተፈልጠን። ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ኣልጀርያ ኣሕመድ ገይድ ሳልሕ ኣብቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ብምብጻሕ ዑደት ድሕሪ ምግባሩ: መርመራ ክግበር ትእዛዝ ምምሕልላፉ: እቲ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ኣነጺሩ።
እታ ሓደጋ ዘጋጠማ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣልጀርያን ቦውፈሪቕ ካብ ዝተባህለ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ኣልጀርስ ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተበገሰት ምንባራ ብተወሳኺ ተሓቢሩ ኣሎ።