ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ ዓሪፎም


ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ
ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ
ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ - ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያን ኣቦ-መንበር ዴሞክራያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞን ዝነበሩ - ዓሪፎም።

ክልል ኦሮምያ ብመሰረት ዘውፀኦ መግለፂ፣ኣቶ ኣለማየሁ ዝዓረፉ ኣብ መበል 45 ዓመት ዕድመ‘ዩ።ንሶም ንክልቲኡ መዝነት ሒዞም ዝፀንሑ ግና ንዝሓደሮም ሕማም ተፃዊሮም ከምዝነበረ ምንጭታት ገዛኢ ፓርቲ ይሕብሩ።

ክልል ኦሮምያ ኣብ መግለፂኡ፣ኣቶ ኣለማየሁ ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ይሓሙ ከምዝነበሩን ስልጣን ተረከቡኒ ዝበሉ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምኳኑ ጠቂሱ‘ሎ።

መንግስትን ህዝቢን ዝሃቦም ሓላፍነትን ሕድሪን ብሙሉእ ተኣማንነትን ህዝባዊነትን ከምዝፈፀሙ‘ውን እቲ መግለፂ ገሊፁ።

ኦህዴው ኣብ‘ዚ ቀረባ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ኣቶ ሙኽታር ከድር ኣቦ-መንበር፣ወ/ሮ ኣስቴር ማሞ ምክትል ሊቀ-መንበር ንክኾኑ ከምዝመረፀ ዝዝከር‘ዩ።

ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ ኣብ ወለጋ ወረዳ ቢሉ-ቡሸ ካብ ወለዶም ኣቶ ኣቶምሳ ማጆን ወ/ሮ ኣየለች ብሩን ኣብ 1961 ዓ/ም ኣቆፃፅራ ኢትዮዽያ ከምዝተወለዱ ታሪኾም ይሕብር።
XS
SM
MD
LG