ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከባቢ ራያ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምቍራፁ ተጽዕኖ ይፈጥር


ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ከባቢራያ ብዝተላዕለ ምትፍናን ስእነት ጸጥታን ኣብቲ ከባቢ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምቁራፆም ብክልል ኣምሓራ ዝተመደበ ኣመሓዳሪ ከተማ ኣላማጣ ኣቶ ሃይሉ ኣበራ ንድምፂ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ሆስፒታል ኣላማጣ ንዝሓለፈ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኣገልግሎት ምሃብ ደው ብምባሉ ብሰንኪ ስእነት ኣገልግሎት 11 ሰባት ምሟቶም ኣቶ ሃይሉ ገሊፁ። ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ ሸሞንተ ህፃናት ሰለስቲኦም ድማ ኣዴታት ከምዝኾኑ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣቶ ሃይሉ ወሲኾም ሕቶ መንነትን ርእሰ-ምምሕዳርን ኣብ ዝለዓለሎም ኣብ ዝተባህሉ ከባቢታት ከተማ ኣላማጣ፣ ራያ ባላን ኮረምን ዝርከቡ 123 ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ልዕሊ 42,000 ተማሃሮ ትምህርቶም ከቋርፁ ተገዲዶም ኣለው ይብሉ።

ካብቶም ኣብዚ ዓመት'ዚ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ዝወስዱ ልዕሊ 900 ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ወልዲያ ትምህርቲ፣ ናይ መግብን መደቀስን ኣገልግሎታት ንምሃብ ምቕባል ምጅማሩ እቲ ዩኒቨርስቲ ገሊፁ። ካብ ክልል ትግራይ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽንን ዞባ ደቡብ ትግራይን ከምኡ እውን ክልል ኣምሓራን ፌደራል መንግስትን ርእይቶ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ኣብ ዝሓለፈ 8 ሚያዚያ 2016 ዓ/ም ንመራኸቢ ብዙሃን መግለፂ ዝሃቡ ምኽትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ሌቴናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣሰሓሐብቲ ወይ ኣከራኸርቲ ተባሂሎም ኣብ ዝፅውዑ ከባቢታት "ግዝኣታት ክልል ትግራይ እዮም፣ ኣከራኸርቲ ኣይኮኑን’’ ምባሎም ድምጺ ኣመሪካ ምፅብፃቡ ይዝከር። ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ነቲ ኣካራኻሪ ዝብሃል ስፍራታት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ክዳነ ምዃኑ’ዩ ይእምም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG