ደሴ/መቐለ —
ኣብ ከተማ ኣላማጣ ኣብ መንጎ ስርዓተ ትምህርቲ ክልል ትግራይ መሰረት ዝገበረ ምዝገባ ትምህርቲ ጀሚሩ’ዩ ንዝብል ተቃውሞ ንምስማዕ ኣብ ልዕሊ ዝወጹ ነበርቲን “ዕጡቓት ህወሓት” ክብሉ ዝገለጽዎም አካላትን ብዝተፈጥረ ግጭት ክልተ ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ብክልል ኣምሓራ ናይ ባጀትን ምምሕዳርን ድጋፍ ዝቆመ ጊዝያዊ ምምሕዳር'ታ ከተማ ከንቲባ ከምዝኾኑ ዝገለጹ ሃይሉ ኣበራ ተመዛመልቲ ተመሲሎም ናብቲ ከባቢ ኣትዮም ዝበልዎም "ዕጡቓት ህወሓት" ክብሉ ዝጸውዕዎም አካላት ተሓታቲ’ቲ ፍጻመ ምኳኖም ሓቢሮም።
ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝርከብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ከንቲባ ምዃኖም ዝገለጹ ኣቶ ዝናቡ ደስታ ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ህይወት ጉድኣት ዝበጽሓ ሰላም ዘይደልዩ ሓይልታት ዝተፈልየ ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ዘለዎም ክብሉ ዝገለጽዎም ዕጡቓት ነበርቲ ብዝፈጠርዎ ዕግርግር ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው።
ቅጥዒ