ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሕቶ መንነት ዝምልከት ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ተካይዱ


ከተማ ኣላማጣ- ፋይል
ከተማ ኣላማጣ- ፋይል

ንመንነት ብዝምልከት ዝልዓሉ ሕቶታት መንግስቲ ቕልጡፍ ምላሽ ክህብ ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ ሰኑይ 20 መጋቢት 2023 ኣብ ከተማ ኣላማጣ ተኻይዱ።

ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሐ ዝበሉዎ "ሕቶ መንነት ኣልዒልና ምላሽ ኣይረኸብናን" ዝበሉ ሰልፈኛታት ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ሰላም መንግስቲ መርገፂኡ ብወግዒ ብዘይምፍላጡ ስግኣት ከምዝፈጠረሎም ሓቢሮም ኣለው።

ኣተሓባባሪ'ቲ ሰልፊን ኣባል ክፍሊ ሕጊ ኮሚቴ ኣምላሲ መንነት ራያ ይርጋ ሞላ ንነዊሕ ዓመታት ምስ መንነት ተኣሳስሪሩ ንዝተለዓለ ሕቶ ፌደራል መንግስቲ ቕልጡፍ ምላሽ ኣይሃበናን ኢሉ።

ንድሕነቶም ክብሉ ሽሞምን ድምፆምን ንምሃብ ፍቓደኛ ዘይኮኑ ገለ ነበርቲ እታ ከተማ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለፅዎ ናይታ ከተማ ነበርቲ ዘይኾኑ ሰልፈኛታት ካብ ጎረቤት ከተማታት ክልል ኣምሓራ ብዓሰርተታት ዝቑትሰራ መካይን ተፃዒኖም ናብ ከተማ ኣላማጣ መፂኦም ከምዝተሰለፉ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተወተለድቲ ትግራይ'ውን ኣካላውን ናይ ቃላትን መጥቓዕትታት ይፍፅሙ ከምዝነበሩ ብምግላፅ ናብቲ ሰልፊ ክወፁ ናይ ምግዳድን ምፍርራሕን ተግባራት ከምዝተፈፀሞም እዞም ነበርቲ ገሊፆም።

ናይታ ከተማ ጊዚያዊ ከንቲባ ግን ብሰንኪ እቲ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝወረደ ጉድኣት የለን ኢሉ።

ዛጊት ካብ ፌደራል መንግስቲ ዝተወሃበ ምላሽ የለን። ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ነቲ ምዕባለ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ክዋፃእን፣ ብምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባታት ምዕራብ፣ ደቡብን ሰሜን ምዕራብን ክልል ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ዝበሎ‘ግፍዕን በደልን ደው ከብል ይግባእ ይብል።

እቲ መግለጺ ወሲኹ "ትማሊ 10 መጋቢት 2015 ዓ.ም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ካብ ወረዳታት ጉባ- ላፍቶ፣ ወልድያን ራያ ቆቦን ብዙሕ ህዝቢ ብምጉዕዓዝ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ተቐባልነት ዘይብሉ ሰልፊ ተኻይዱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት እውን ዘሕዝን በደል ክፍፀም ክኢሉ እዩ" ከምዝበለ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG