ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወረዳ ራይ ኣላማጣ ዘይሕጋዊ ዝተባህሉ ኣባይቲ ንምፍራስ ኣብዝተፈተነሉ እዋን ህውከት ከምዝተልዓለ ተፈሊጡ



ኣብ ክልል ትግራይ ደቡባዊ ዞባ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ቑሸት ጋርቤ ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ፖሊስን ዘይሕጋዊ እዮም ዝበልዎም ገዛውቲ ንምፍራስ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ህውከት ከምዝተልዓለ መሰኻኽር ገሊፆም።ኣማሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ግን ዘይሕጋዊ ገዛውቲ ክፈርሱ ኣለዎም ምስበሉ ዝተብሃለ ህውከት ግን ዝተጋነነ እዩ ክብሉ ሕባኢሮም።

ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነባሪ እታ ቑሸት እቲ ምፍራስ ገዛ ህብዚ ናብ ናይ ሓመድን ዕቀባን ስራሕ ንኽዋፈር ብምግባር ብድሕሪት ዘፍርሱ ሰራሕተኛታት ብምውፋር ምፍራስ ገዛ ብምጅማሮም ኣውያት ተላዕሊ ብዙሕ ሰብ ከምዝረድአን በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ማእኸል ሃገር ናብ ትግራይ ካብ ትግራይ ናብ ማእኽለ ሃገር መካይን ንኸይሓልፋ ተኣጊደን ከምዝውዓላን እቶም ሓቢሮም።እቲ ህውከት ካብ ሰዓት ክልተ ናይ ንጉሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 12 ናይ ምሸተ ከምዝቐፀለ ገሊፆም።

ናይ ፌደራል ፖሊስ ኣጋግዘ ሰዓት 11 ናብቲ ከባቢ ብምምፃእ መንብዒ ጋዝን ጠያትን ብምትዃን ነቲ ህብዚ ከምዝበተኑዎን ክልተ ሰባት ቖሲሎም ናብ ሆስፒታል ምእታዎም ከምዝሰምዑን ወሲኾም ሓቢሮም።ዝተኣሰሩ ሰባት ከምዘለው’ውን ገሊፆምልና ኣለው እቶም ምስክር።ተኣሲሮም ናብ ዝተብሃሉ ሰብ ስልኪ ደዊልና ዝተኣሰሩ ንምዃኖም ሓፍቱ እየ ዝበለትና ኣረጋጊፃትልና ኣላ።

ኣምሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ወኪል ቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሕጋዊ ዘይኮኑ ገዛውቲ ክፈርሱ እዮም ግን ከምዝተብሃለ ዝተጋነነ ህውከት ከይኮነስ ኣብ ከተማ ዝርከቡ 57 ዘይሕጋዊ ገዛውትን ኣብ ገጠር ድማ ብዘይሓግዊ መሸጣ ዝተሰርሑ 207 ኣባይትን ጥራሕ እዮም ዝፈርሱ ኢሎም ኣለው።ነቲ ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለው ኣብ ከተማ ዝነብሩ ዝተውሰኑ ሰባት ምዃኖምን ዝበፅሐ ጉዳኣት ከምዘየለን ገሊፆም ኣቶ ሃፍቱ።ናይ ናይ መንገዲ ምዕፃው ፈተነ ተገይሩ ብምይይጥ ከምዝተኸፈተ’ውን ወሲኾም ኣብሪሆም።
XS
SM
MD
LG