ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክፍለ-ግዝኣት አለባማ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ምርጫ ሰነት ዲሞክራሲያዊ ሕጹይ ዳግ ጆንስ ተዓዊቱ


ኣብ ክፍለ-ግዝ ኣት አለባማ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ምርጫ ሰነት ዲሞክራሲያዊ ሕጹይ ዳግ ጆንስ ተዓዊቱ። እቲ ነታ ክፍለ ግዝኣት ዝውክል አባል ሰነት ንምምራጽ ዝተገብረ ምርጫ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ መንጎ ብጾታዊ በደል ዝንቀፍ ሪፖብሊካዊ ሕጹይ ሮይ ሙርን ብዲሞክራት ተታሒዙ ዘይፈልጥ መንበር ዝደሊ ዳግ ጆንስ ምዃኑ’ዩ።

ድሕሪ ምዕዋቱ መደረ ዘስምዕ ዲሞክራት ዳግ ጆንስ እቲ ምርጫ ብመሰረት ሰብኣዊ ክብሪ ተወሲኑ’ሎ ኢሉ’ሎ።

“ ኣብ መወዳእቱ እቲ ምሉእ ምርጫ ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብሪ’ዩ ኾይኑ ብዛዕባ ግዝኣት ሕጊ’ዩ ኾይኑ፡ ብዛዕባ ሓልዮትን ትሕትናን ዝተገብረ ምርጫ’ዩ ኔሩ። ኣብ ህይወት ኩላትና ዝተወሰነ ለውጢ ክህልዎ’ዩ።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG