ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ግብፂ ኣብ ኢትዮዽያ መገሻ ክፍፅሙ ድልየት ኣለዎም


ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ፕረዚደንት ኣል-ሲሲን
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ፕረዚደንት ኣል-ሲሲን
ሓድሽ ፕረዚደንት ግብፂ ኣብዱልፈታሕ ኣል-ሲሲ፣ኣብ ኢትዮዽያ መገሻ ንምፍፃም ተገዳስነት ከምዝሓደሮም ተገሊፁ።

እዚ ዝተገልፀ እቶም ፕረዚደንት ምስ ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድሕሪ ስነ-ስርዓት ፅምብል ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን‘ዩ።

ብዛዕብኡ ሪኢቶ ዝሃቡ ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ኢትዮዽያ ብወገና ንምዕዋት‘ቲ ዝምድና ግቡኣ ክትፍፅም‘ያ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም፣ካብ‘ቲ ኢትዮዽያ፣ሱዳንን ግብፅን ዝሳተፋሉ ኣኼባ ረጊፃ ዝወፀት ካይሮ ናብ‘ቲ ልዝብ ንክትምለስ ክልቲኦም ወገናት ተሰማሚዖም‘ለው ኢሎም።

ግብፃውያን ንኣሻሓት ዓመታት ዝነበሮም ስምዒት ብሓፂሩ ክቅይሩ‘ዮም ኢልካ ምፅባይ ከምዘይካኣል ዝሓበሩ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ኢትዮዽያ ኣብ ግብፂ ሓድሽ መኣዝን ኣረኣእያ ይምዕብል‘ሎ ኢላ ከምትኣምን ጠቂሶም።
XS
SM
MD
LG