ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ሓንቲ ስትራቴጂካዊት ከተማ ሶማል ወጺኦም


 ፋይል- ወታሃደራት ኣሚሶም ኣብ ሶማል
ፋይል- ወታሃደራት ኣሚሶም ኣብ ሶማል

ኣብ ማእኸላይ ዞባ ጋል ጉዳድ ምስ አል ሸባብ ዝዋግኡ ዝነበሩ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኻብታ ከተማ ክወጹ ኸለው ከምዘይሓበርዎም ኮሚሽነር እታ ከተማ ኑር ሓሴን ጉታል ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ብኸቢድ ዝዓጠቑ ተዋጋእቲ አልሸባብ ብኡ ብኡ ነቲ ኣብታ ከተማ ኤልቡር ዝነበረ መዓስከራት ኢትዮጵያዊያን ተቖጻጺሮም’ለው።

እቲ ኮሚሽነር “እቶም ኢትዮጵያዊያን ብዛዕባ ናይ ምውጻእ መደቦም ኣይሓበሩናን ክወጹ ምስ ረአናዮም ሰራዊትና’ውን ገዲፍዎ ወጺኡ” ይብሉ።

እቶም ዕጡቓት አል ሸባብ ጸረ ነፈርቲ አጽዋራት ዝጸዓና ካብ ሽዱሽተ ዝበዝሓ መካይን ሒዞም ናብታ ከተማ ኣትዮም ብኡ ንብኡ ኸአ ስትራቴጂካዊ ቦታታት ብምሓዝ ባንዲራኦም ኣብ ዓበይቲ ህንጻታት አንበልቢሎም ክብል ሓደ ነባሪ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ኮሚሽነር እቲ ዞባ ጓል ጉዳድ ኑር ሓሰን ንሰላማዊያን ነበርቲ’ታ ከተማ ብምግፋዕ ንኣል ሸባብ ንኢትዮጵያዊያን ወታሃደራትን ይኸስስ።

XS
SM
MD
LG