ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ ኣብ ከተማ ባይደዋ ዕጽዋ ኣንቢሩ'ሎ


ከተማ ባይዶዋ
ከተማ ባይዶዋ

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ነቲ ንከተማ ባይዶዋ ዓጽዩ ዘሎ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኮኒኖምዎ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን እቲ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ናብን ካብን እታ ከተማ ዘሎ ቀረብ ብምዕጻው ብሰንኪ ደርቂን ስእነት ሰላምን ዝተፈጠረ ደርቂን ዘይምርግ ጋእን ኣጋዲድዎ ኣሎ ኣጋዲድዎ ኣሎ።

ኣልሸባብ ካብን ናብን ባይዶዋ ዝነበረ ምንቅስቃስ ዝዓጸወ ዝሓለፈ ሰሉስ እዩ። እቲ ዕጽዋ፣ ቅድሚ መንግስቲ ሶማል መጥቃዕቲ ንምፍናው ዝሓንጸጾ ውጥን ከምዝተተግበረን፣ ንምንቅስቃስ ንግዲ ኣተዓናቒፉ፣ ብሕልፊ ካብ ሞቃዲሾ ይበጽሕ ዝነበረ ኣቑሑ ናብ’ታ ከተማ ንከይበጽሕ ስለዝገበረ ዋጋ ሃለኽቲ ኣቑሑ ኣዝዩ ከቢሩ ኣሎ።

ሓላፊ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ሑሰን መሓመድ "ትርጉም እቲ ዕጽዋ፣ ኣል-ሸባብ ምስ ህዝቢ ሶማል ውግእ ከፊቱ ከምዘሎ ሓባሪ እዩ" ክብል ይገልጾ።

ነጋዳይ ከተማ ባይዶኣ መሓመድ ኢድን ብወገኑ "ቀረባት ስለዘይርከብ ዘሎ ኣብያተ ንግዲ ባይዶዋ ዝዕጸውሉ ጊዜ ርሑቕ ኣይክኸውንን"ይብል።

"ካብ ሞቃዲሾ ብኣፍጎየ ኣቢሉ ይበጽሓና ዝነበረ ኣቁሑ እየ ይጥቀም ነይረ። ሎሚ ግና ኣልሸባብ ስለዝዓጸወና፣ ትካለይ ኣብ ጸገም ኣሎ። ክዙን ኣቑሑተይ ተጸንቂቑ ኣሎ ስለዚ ዕጽዋ እንተቐጺሉ ሹቀይ ንክዓጹ ክግደድ እየ ማለት እዩ።"

ብመሰረት ሪፖርት ሕ/ሃ፣ ባይዶዋ ብሰንኪ ኣልሸባብን ደርቂን ካብ ቤቶም ዝተፈናቐሉ ኣስታት 600 ሽሕ ተመዛበልቲ ዘዕቆበት ከተማ እያ። ተንተንቲ ብወገኖም ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ’ታ ከተማ ዝተግበሮ ዕጽዋ ሓይሉ ዘርእየሉን ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝተፈጠረ ኩነታት ከምዘጋድ ድን’ ዩ ክብሉ ይገልጹ።

ኣብ ሞቃዲሾ ንማእከል ትንታነን ስትራተጂን ዝመርሕ ዓብዲራሕማን ኣዛሪ "ኣልሸባብ ቀጥታዊን ተዘዋዋሪን መልእኽቲ ናብ መንግስቲ ሶማል የሕልፍ እዩ ዘሎ። ንገለ ክፋል ሶማል ዝቆጻጸሮ ኣነ እየ ከምኡውን ኣብ ዝደለኽዎ ከባቢ ዕጽዋ ከንብር ይኽእል ህዝቢ ድማ ይእዘዘኒ ኣሎ እዩ ይብል ዘሎ።"

መንግስቲ ሶማል ብወገኑ ‘ብወፍሪ ጸሊም ኣንበሳ’ ዝሰየሞ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ከምዝፍንው ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ጂቡቲን ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ’ቲ ወፍሪ ዘሕግዙ ኣስታት 20- ሽሕ ወትሃደራት ናብ ሶማል ክልእኹ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣብ ባይዶኣ መገሻ ድሕሪ ምፍጻሞም፣ ንሶማል ዓብዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክቀርበላ ንማሕበረሰብ ዓለም መጸውዓታ ከምዘቕረቡን ዝዝከር እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG