ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትርጉም ሞት መራሒ ኣል-ሸባብ ኣሕመድ ጎዳኔ ንኣል-ሸባብ፣ንሱማሊያ…


Ahmed Abdi Godane of Al-Shabaab
Ahmed Abdi Godane of Al-Shabaab

መራሒ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣሕመድ ኣብዲ ጎዳኔ ምማቱ ንኣል-ሸባብ ፣ንሱማሊያን ኣንፃር ግብረሽብራ ንዝካየድ ግጥምን ብዛዕባ ዝህልዎ ትርጉምን ንዝተፈላለዩ ሪኢቶታት እናተውሃቡ እዮም።

ኣንደበተ ርትኡን ገጣሚን ኣሕመድ ኣብዲ ጎዳኔ ናብ ስልጣን ዝደየበን ኣብ ስልጣን ዝቐፀለን ብጣምራ ሰሓባይ ስብእንኡን ጭካንኡን ነይሩ።

እቲ ጉጅለ ኣንፃር መንግስቲ ሱማሊያን ኣብ ሱማሊያ ዝኣተው ናይ ወፃኢ ሓይልታትን ዝዋግኡ ብዙሓት ተዋጋእቲ ኣሰሊፉ እዩ።ነቲ ጉጅለ ገንዘብ ክውሕዝ ሓጊዙ እዩ፤ጎዳኔ።

ኣብ 2008 ኣ/ፈ መራሒ ኣል-ሸባብ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ ጎዳኔ ንናይቲ ጉጅለ ስርሒት መሪሑን ኣብ 2012 ኣ/ፈ ምስ መርበብ ሽበራ ኣል-ቃይዳ ስሩዕ ምሕዝነት ፈጢሩን።

ኣብ 2013 ኣ/ፈ ኣብ ናይሮቢ ማእኸል ዕዳጋ ዌስትጌት ዝተፈፀመን ንልዕሊ 67 ሰባት ዝቐተለን ዓብዪ መጥቓዕቲ ብጥንቃቐ ዝመርሖ ባዕሉ ጎዳኔ ነይሩ።

ኣብ ሞቓድሾ ዝመደብሩ ሄሪተጅ ኢንስቲቱት ንመፅናዕታት ፖሊስ ናይ ዝተብሃለ ትካል ዳይረክተር ዝኾኑ ኣብዲ ኣይንተ፣ ጎዳኔ ንኣል-ሸባብ ሰጥ ለጥ ኣቢሉ እዩ መሪሑዎ ፣ከም ናይ ውልቂ ውድቡ እውን ይሪኦ ነይሩ ይብሉ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ጎዳኔ ኣብ ውሽጢ ኣል-ሽበባ ንዝነበሩ ተነሓናሕቱ ብምጥፍኣ ስልጣኑ ኣረጋጊፁ።

ምኽትሉ ኢብራሂም ኣል-ኣፍጋኒ ናይ ጎዳኔ ውልቃዊ ኣገዛዝኣ ብምምራር ናብ ዋና መሪሕነት ኣል-ቃይዳ ደብዳቤ ድሕሪ ምፅሓፉ ኣብ 2013 ኣ/ፈ ተቐቲሉ።

ኣቡ ማንሱር ኣል-ኣምሪኪ ብዝብል ሽም ዝፍለጥን ንመራሒ ኣል-ሸባብ ዝነቅፍ ዝነበረን ኣብ ኣሜሪካ ዝተወለደ ጂሃዲስት እውን ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ተቐቲሉ።

ኣይንተ ንጎዳኔ ዝትክእ ዝፍለጥ ወራሲ ስለ ዘየለ ኣብ እዋን ክፍተት ስልጣን ውሽጣዊ ህውከት ክፍጠር ይ ኽእል እዩ፤ቀፃሊ ምብትታንን ምንፅፃልን እቲ ውድብ እንተተፈጢሩ ካብ ሓሙኽሽቲ ኣል-ሸባብ ፍጠር ዝገደደ ኣኽራሪን ናዕበኛን ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ።

ነፃ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብዲ ወሊ ሸኽ ኣብዲ ሳመድ ግን ንናይቲ ጉጅለ መራሕቲ ብምቕታል ንኣል-ሸባብ ምግታእ እኹል ኣይኮነን ይብሉ።ኣስዒቦም ‘’ንሓደ ሰብ ክትቐትሎ ትኽእል ኢኻ።ንኣይዶሎጂ ክተቐትል ግን ኣይትኽእልን ኢኻ።ኣይዶሎጂ ንኽጠፍእ ነዊሕ እዋን ይወስድ’’ኢሎም።

ኣል-ሸባብ ኣብ ውሽጣዊ ናይ ስልጣን ቕልስ እንድሕር ኣቲዩ መንግስቲ ሱማሊያ ንቶም ልዝብ ዝበሉ ኣኽረርቲ ክረኽቦም እዋኑ ሕዚ እዩ ይብሉ ኣብዲሳመድ ።

XS
SM
MD
LG