ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ: ስትራተጂያዊት ወደባዊት ከተማ መርካ ተቖጻጺሩ


ወደባዊት ከተማ መርካ ሱማሊያ

ኣል-ሸባብ ካብ ዋና ከተማ ሱማሊያ ብኣንፈት ደቡብ 100 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ንእትርከብ ስትራተጂያዊት ወደባዊት ከተማ መርካ ከምተቖፃፀረ ነበርትን ሰበስልጣንን ሎማዕንቲ ሰኒ ገሊፆም።

ነታ ከተማ ተቖፃፂሮም ዝነበሩ ወታደራት መንግስትን ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካን ምስ ገደፉዋ ኣል-ሸባብ ወናኒ ወደብ ኮይኑ’ሎ።

‘’ወታደራት ኣሚሶምን መንግስትን ሎሚ ንግሆ ካብታ ከተማ ምስ ወፁ ብከቢድ ዝተዓጥቑ ሓይልታት ኣል-ሸባብ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ቀንዲ መፈተሺ ኖቕጣታት ዓሲሎም ኣለው’’ ክብሉ ሽሞም ዘይገለፁ ነበርቲ ንቪኦኤ ሓቢሮም።

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሱማሊያ ሓላፊ ፀጥታ ፌደራላዊ መንግስቲ ዓብዲፊታህ ኢብራሂም ጊሰይ እቶም ናዕበኛታት ነታ ከተማ ምቁፅፃሮም ንቪኦኤ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ኣሚሶምን ሰራዊት መንግስትን ካብታ ከተማ ንምንታይ ከምዝወፁ ንፁር ኣይኮነን፤ይኹን እምበር እዚ ዝኸውን ዘሎ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ካብ ምዕራብ ሞቓድሾ 40 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ንዝርከብ ናይ መንግስቲ ወታደራዊ መደብር ወሪሮም ብግዚያዊነት ድሕሪ ምቁፅፃሮም እዩ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG