ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 አል ሸባብ ኣብ ሶማል ብዘካየዶ መጥቓዕቲ 16 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


በለድ ሃዎ -ሶማል
በለድ ሃዎ -ሶማል

ኣብ ሶማል ከተማ በለደሃዎ ሎሚ ሶኑይ አል ሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 16 ሰባት መብዛሕትኦም ወታሃደራት ምምሕዳር’ቲ ዞባ ዝኾኑ ከምዝተቐትሉ ሰበ ስልጣንን ነበርቲን ኣፍሊጦም።

ምንጪታት ጸጥታ ከምዝሓበርዎ ሚሊሻታት አል ሸባብ ኣብታ ከተማ ጥቓ ዶብ ኬንያ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ሓቢሮምም።

እቲ ፈላማይ ዒላማ ንወታሃደራዊ መደበር ከምዝነበረን 14 ወታሃደራት ከምዝተቐትሉን ምንጭታት ጸጥታ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ብድሕሪኡ ኸአ ንቀንዲ መደበር ፖሊስ’ታ ከተማ እቲ ሳልሳይ ኸአ ንቀንዲ ቤት ጽሕፈት’ታ ከተማ ከምዘጥቕዑን ብድምሩ 16 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ’ሎ።

አል ሸባብ ብወገኑ 40 ወታሃደራትን ከምዝቀተለን 30 እሱራት አልቒቀ ክብል ገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG