ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልሸባብ ኣብ መደብር ፖሊስ ኬንያ ብዘኻየዶ መጥቓዕቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም


ገማግም ባሕሪ ዞባ ላሙ-ኬንያ (ፋይል)
ገማግም ባሕሪ ዞባ ላሙ-ኬንያ (ፋይል)

ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኬንያ ንዝርከብ መደብር ፖሊስ ኣጥቒዖም ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ሞሟቶምን ሓደ ምቑሳሉ ሰበስልጣን ፖሊስ ገሊፆም።እቲ ውግእ ንልዕሊ ዓሰርተ ስዓታት ዝዘለቐ ምንባሩን ተሓቢሩ’ሎ።

ብመሰረት ሰበስልጣን ፖሊስ ትማሊ ረቡዕ ዕጡቓት ላሙ ኣብዝተባህለ ምምሕዳራዊ ከባቢ ንዝርከብ መደበር ፖሊስ ምስ ኣጥቕዑ: እቲ ውግእ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ’ሎ።ኣል-ሸባብ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።

ካብ ግንቦት ጀሚሩ ኣል-ሸባብ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ተኸታታሊ መጥቓዕትታት ፈፂሙ’ሎ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ላሙ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተፃወደ ቦምብ ተተኲሱ ኣርባዕተ ህፃናት ተማሃሮ ተቐቲሎም።

ወሃቢ ቃል ሚንስትር ውሽጢ ሃገር ምዌንዳ ንጆካ ፆመ ረመዳን ካብ ዝጅምር መጥቓዕቲ ከምዝወሰኸን እዚ ማለት ግን ምንቅስቓስ ሓይልታት ፀጥታ ኣድማዒ ከይኮነ ተሪፉ’ሎ ማለት ኣይኮነን ይብሉ።

እቶም ሓደሽት መጥቓዕትታት ኣብ ዝቕፅል 8 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ምስ ዝካየድ ሃገርለኸ ምርጫ ርክብ ከምዘለዎ ገለ ተንተንቲ ይገልፁ።ካብኦም ሓደ ኬንያዊ ክኢላ ፀጥታ ሪቻርድ ቱታ እዮም።

“ኩሉ ሰብ ኣብ ክንዲ ንድሕነት ሰባት ኣብ ፖለቲካ ብዙሕ ጠመተ ከምዝገበረ ይፍለጡ እዮም።”

ንኣል-ሸባብ ንምምሓው ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝጀመረ ወታደራዊ ስርሒት ይካየድ’ዃ እንተሃለወ ኣል-ሸባብ ቦኒ ኣብዝተባህለ ዱር ሱር ይሰድድ ከይህልው ቱታ ጥርጣርኡ ይገልፅ።እቲ ዱር ካብ ላሙ ክሳብ ሶማል ዝተዘርግሐ እዩ።

ትማሊ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣስታት 200 ተዋጋእቲ ምስታፎም መራኸቢ ብዙሃን ኬንያ ፀብፂበን ኣለዋ።ፖሊስ ግን ነቲ ኣሃዝ መረጋገፂ ኣይሃበሉን።

ምቁፅፃር ሓደጋ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዝተባህለ ትካል ዳይረክተር ጆርጅ ሙሳማሊ ሓይልታት ምክልኻል ኬንያን ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልን እናሃለው ሰባት ከምድላዮም ክጉዓዙ ኣይክኣሉን ይብሉ።እቶም ዕጡቓት ዶብ ሰጊሮም ዘይኮኑስ ካብ ዱር ቦኒ እዮም ዝመፁ ዘለው ይብሉ።ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ውሽጢ ሃገር ግን እቶም ዕጡቓት ኣብ ቦኒ መደብር የብሎምን፤ይመፁን ይኸዱን እዮም ዘለው ክብሉ ነፂጎምዎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣልሸባብ ኣብ መደብር ፖሊስ ኬንያ ብዘኻየዶ መጥቓዕቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:26 0:00


XS
SM
MD
LG