ኣል-ሸባብ ምስ ናይ ኣል-ቃይዳ ዓለማዊ መርበብ ግብረ ሽበራ ምፅምባሩ ብወግዒ ኣዊጁ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ካብ ብዙሓት ሃገራት ብዝተዋፅኡ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ሱማሊያ ይፍኖ ብዘሎ መጥቓዕቲ ተኸታታሊ ስዕረት የጋጥሞ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ።
ገለ ተንተንቲ እዚ ሓዱሽ ምዕባለ ክልቲኦም ጉጅለታት ኣብቲ ዞባ ንዝፍፅምዎ ስርሒት ሽበራ ዘጠናኽር እዩ ይብሉ።
መራሒ ኣል-ቃይዳ ኣይማን ኣል-ዘዋህሪ ዘመሓላለፎ ናይ 15 ደቓይቕ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ኣል-ሸባብ ኣንፃር ናይ ፅዮናዊያን ናይ ሃይማኖት ዅናት ዝበሎ ወፍሪ ንምክያድ ምስ ናይ ኣል-ቃይዳ ጂሃዲስት ምንቅስቓስ ተፀንቢሩ’ሎ ክብል ገሊፁ።
ኣብ ናይሮቢ ዝመደብሩ ሳውዝሊንክ ኮንሳልታን ዝተብሃለ ትካል ዝሰርሑ ሶማልያዊ ተንታኒ ኣብዲዋሃብ ሸኽ ኣብዲ ሳመድ እቲ እወጃ ንኣል-ሸባብ ጥራሕ ከይኮነስ ንኣል-ቃይዳ’ውን ዘጠናኽር እዩ ይብሉ።
ክልቲኦም ወገናት ባይታ ይስእኑ ስለዘለው እቲ ስጉምቲ ነን ሕድ ሕዶም ዳግም ከጠናኽሮም እዩ ኢሎም እቶም ተንታኒ ብምውሳኽ።
ምንስቴር ሓበሬታን ቴሌኮምኒከሽንን ዝኾኑ ዓብዱልካዲር መሓመድ ንናይ ሶማል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዜና ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብዝልኣኽዎ መግለፂ ‘’እዚ ንዓን ሓድሽ ኣይኮነን፡ሓደን ተምሳሰልትን ከምዝነበሩ ንፍልጥ ኢና።መራሕቲ ኣል-ሸባብ ተኸፊሉዎም ዝንቀሳቐሱን ልኡዃትን ንንፁሃን ሙስሊማት ዝቐትል ዘይእስላማዊ ተግባር ናይ ዝፍፅም ወኪላት ኣል-ቃይዳን እዮም ኢሎም’’ እቶም ምንስቴር ብምውሳኽ።
መንግስቲ ሶማል ኣል-ሸባብ ናይ ሱማሊያ እስላማዊ ውድብ እዩ ዝብል መተዓሻሸዊ ምስሊ ብናይ ባዕሉ ቃላት ምእዋጁ ንመንግስቲ ዘሕጎሰ እዩ ኢሎም እቶም ምስቴር።ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣንፃር ኣብ ሶማል ዝርከብ ኣል-ቃይዳ ዝካየድ ግጥም ክሓብሩ ፀዊዖም።
ኬንያዊ ፖለቲካዊ ፀሓፊ ባራክ ሙሉካ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ባይታ ዋላ ሓደ ዝተለወጠ ነገር ስለዘየለ ኣብቲ ዞባ ኣንፃር ሽበራ ኣብ ዝግበር ውግእ ዓለም-ለኻዊ ምትእትታው ንኽህሊ ፀዊዑ።
ኣብዲ ሳመድ ብምውሳኽ ኣል-ሸባብ ብዛዕባ ምንቅስቓሱ ንመራሒ ኣል-ቃይዳ ኣይማን ኣል-ዘዋህሪ ሪፖርት ስለዝገብር ብኡ ኣቢሉ እቲ ወጥረትን ኣብቲ ጉጅለ ዝጠመቱ ፖለቲካዊ መጠንቀቕታን ከምዝቃለል ሓቢሮም።
ኣሕመደ ኣብዲ ጎዳኔ ላዕለዋይ መራሒ እቲ ጉጅለ ከምዝኾነ ዝእመነሉ ኣዛዚ ኣል-ሸባብ እዩ።
ኣል-ሸባብ ናይ ቀቢላታት ሚሊሽያን ዝኽፈሎም ተዋጋእትን ሕውስዋስ እዩ።እቲ ጉጅለ ኣማእቲ ወፃእተኛታት ተዋጋእቲ’ውን ኣለዎ።
ምዕራባዊያን ሰበስልጣን ስለያ ተወጋእቲ ኣል-ቃይዳ ኣብ ኣል-ሸባብ መፅለሊ ረኺቦም እዮም ክብሉ ንዓመታት ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ወይ ድሮን ናይ ብሪታኒያ ፓስፖርት ዝሓዘ ቢላል ኣል-በርጃዊ ተቐቲሉ።ኣል-በርጃዊ ኣብ 1998 ኣ/ፈ ኣብ ናይሮብን ዳርኤሰላምን ኣብ ኤምባሲታት ዩናይትድ ስቴትስ ዝተፈፀሙ ደማዊ መጥቓዕቲ ቁልፊ ተራ ከምዝነበሮ ምስ ዝእመነሉ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ መራሒ ኣል-ቃይዳ ዝነበረ ፋዙል ዓብዱላህ መሓመድ ናይ ቀረባ ምትእስሳር ዝነበሮ እዩ።
መሓመድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ሞቓድሾ ብወታደራት ሱማሊያ እዩ ተቐቲሉ።
ናይዞም ክልተ ናይ ኣል-ቃይዳ ላዕለዎት መራሕቲ ሞት መራሕቲ ኣል-ሸባብ እቲ ሓደ ነቲ ኻሊእ ንምዕራባዊያን ትካላት ስለያ ትስልሉ ኣለኹም ክብሉ ነንሕድ ሕዶም ንኽካሰሱ ብምግባር ንኽከፋፈሉ ገይሩዎም እዩ።