ቅድሚ 15 ዓመታት፣ኣብ ናይሮቢን ዳሬሰላምን ን224 ሰባት ዝቀተለን ንኣሻሓት ዘቁሰለን ሸበራዊ መጥቃዕቲ ቦምብ፣ሎሚ ረቡዕ ተዘኪሩ ውዒሉ።
ቅድሚ 15 ዓመታት ከም‘ዛ ሎሚ፣ንሓንቲ ቦምባታት ዝተወደነት መኪና፣ናብ ማዕፆ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዘሎ ኤምባሲ ኣሜሪካ ተፀገዐት። ዋርድያ‘ቲ ኤምባሲ ነቲ ሾፌር ንክሓልፍ ስለዘይፈቀደሉ፣እቲ ቦምበኛ ኣብ ገደ‘ቲ ኤምባሲ ነቲ ዝፃዓኖ ቦምብ ኣባሪዑ፣ልዕሊ 200 ሰባት ቀቲሉ።ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት፣ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ታንዛንያ‘ውን ተፈፂሙ።
ኣብ‘ቲ እዋን‘ቲ ዋርድያ‘ቲ ኤምባሲ ዝነበረ ጆሴፍ ኦኪንዶ፣ሳላ ነታ መኪና ናብ ቅፅሪ‘ቲ ኤምባሲ ንከይትኣቱ ዝከልከለ፣ህይወት ብርክት ዝበሉ ካልኦት ኣድሒኑ‘ዩ።ሎሚ ሓደ እግሩ ተጎዲኡ‘ዩ ንሱ።ኣብ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ተረኺቡ ክዛረብ ከሎ፣ካብ‘ኡ ዝኸፍአ‘ውን ምኾነ ይብል።
ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ኣል-ቃይዳ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ከምዝንቀሳቀስ ገሊፁ‘ዩ።ሎሚ መስራታይ‘ቲ ጉጅለ ኦሳማ ቢን ላደንን፣ነቲ ናይ ምብራቅ ኣፍሪቃ መጥቃዕቲ ዘዋደደ ፋዙል መሓመድን ተቀቲሎም‘ዮም።ካልኦት ኣርባዕተ ጥርጡራት፣ኣብ ኣሜሪካ ተኸሲሶም ገበነኛታት ስለዝተባሃሉ ሙሉእ ዕድመ ንክእሰሩ ተበይንዎም‘ሎ።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሓይልታት ኬንያ ንምንቅስቃስ ፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ‘ቲ ዞባ ንምቁፅፃር ይቃለሱ‘ለው።ዝዓዘዘ ስራሕቶም ኣብ ሶማልያ ኣንፃር ምስ ኣል-ቃይዳ ዝወገነ ኣል-ሸባብ‘ዩ።
ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሪኢቶ ዝሃበ ኣሌክስ ኦሌ ማጊሎ ብወገኑ፣ኬንያዊያን መንግስቶም ንዝጀመሮ ወፍሪ ፀረ-ግብረ-ሸበራ ከሕግዙ ፀዊዑ‘ሎ።
ፓርላማ ኬንያ ዓሚ ኣብ ዘሕለፎ ሓድሽ ሕጊ ፀረ-ግብረ-ሸበራ፣ሓይልታት ፀጥታ‘ታ ሃገር፣ንጥርጡራት ፈጠርቲ ራዕዲ ክኣስር፣ንብረቶም ክምንዝዕን መራኸቢኦም ክበታትኽን ስልጣን ተቀቢሉ‘ዩ።