ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ መራሒ ዳዕሽ ኣቡ መሓመድ ኣል ዓድናኒ ተቐቲሉ


ኣቡ መሓመድ ኣል ዓድናኒ
ኣቡ መሓመድ ኣል ዓድናኒ

ኣቡ መሓመድ ኣል ዓድናኒ ዝተባህለ ላዕለዋይ መራሒ ዳዕሽ ተቐቲሉ።

ኣል ዓድናኒ ትማሊ ሰሉስ 29 ነሓሰ ኣብ ሶርያ ብሓይልታት ኪዳን ተመሪሑ ብዝካየድ ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ ተወቒዑ ከምዝሞተ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ዝተዋህበ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ዳዕሽ ብወገኑ: ንሞት ኣል ዓድናኒ ተኣሚኑ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ዳዕሽ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣል ዓድናኒ ኣብ ከባቢ ስትራተጂካዊት ከተማ ኣለፖ ሶርያ ንዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት የጽንዕ ኣብ ዝነበረሉ ከምዝተቐትለ ኣፍሊጡ።

ኣል ዓድናኒ ኣብ መሳልል ጽፍሒ ስልጣን ዳዕሽ ድሕሪ ኣቡባክር ኣል ባቕዳዲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ በዓል ስልጣን ዝነበረዩ። ንሱ ከም ኣፈኛ ዳዕሽን ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ድማ ኣርቃቒ መደብ ዳዕሽ ኮይኑውን ዝጥቀስ ዝነበረዩ። ንፈለማ ግዜ ዳዕሽ እስላማዊ ካሊፈት ከምዝመስረተ ዘረጋገጸውን ኣል ዓድናኒ ምዃኑዩ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ዝጥቀስ።

ሓደ በዓል መዚ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኣል ዓድናኒ ብቐጥታ ኣብ ምምልማል ወጻእተኛታት ተቓለስቲ ናብ ዳዕሽ ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሕ ምንባሩ ገሊጹ።

ኣል ዓድናኒ ብዘይካዚ ዳዕሽ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ካብ ዝርከቡ ቀንዲ ዒላማታቱ ሓሊፉ ኣብ ከም መጥቃዕትታት ፓሪስ፤ መዕርፎ ነፈርቲ ብራስለስ በልጅዩምን ኢስታንቡል ቱርኪ፥ ምብራዕ ነፋሪት ሩስያ ኣብ በረኻታት ሲናይ፥ ነብሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ኣንካራን ኣብ ባንግላድሽ ዝተኻየደ መጥቃዕቲን ከይተረፈ ብቐጥታ ምስታፉ እቲ በዓል መዚ ምክልኻል ኣመሪካ ይሕብር።

ብሓፈሻ እዞም ዝተጠቕሱ መጥቃዕታት 1800 ሰባት ምቕታሉን 4 ሽሕ ድማ ምቕሳሉን ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣልዓድናኒ ቅድሚ ሾሞንተ ወርሒ ኣብ ሓዲሳ ኣብ ዝተባህለት ዒራቓዊት ከተማ ኣብ ኲናት ቆሲሉ ምንባሩ ይግለጽ። ኣቐዲሙ ኣባል ኣልቃዒዳ ከምዝነበረን ድሒሩ ግን ናብ ዳዕሽ ከምዝተጸንበረን ብተወሳኺ ይሕበር።

ኣመሪካ: ንምርካብ ኣል ዓድናኒ ንዝሓገዘ ሓበሬታ ዝሃበ ናይ 5 ሚልዮን ዶላር ሞሳ ጻማ ሰሊዓ ምንባራ'ዩ ዝፍለጥ።

ኣቡ መሓመድ ኣል ዓድናኒ 39 ዝዕድሚኡ ሶርያዊ እዩ።

XS
SM
MD
LG