ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ መናእሰይ ኣኽሱም ነብሶም ንምኽኣል ኣበርቲዖም ይሰርሑ'ለው


ሕርሻ ኣብ ኣክሱም
ሕርሻ ኣብ ኣክሱም

ንፀገም ማይ ዝኣለየሎም ትካል ጊልስ ድማ የመስግኑ

ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝቅመጡ ሰለስተ መናእሰይ፡ነቲ ብውልቀ-ሰብ ሃብቲ ዝተኻዕተ ማይ ጉድጛድ ተጠቂሞም ነብሶም ካብ ድኽነት ንምንጋፍን ርእሶም ንምኽኣልን ኣበርቲዖም ይሰርሑ ከምዘለውን ንቪኦኤ መደብ መናእሰይ ገሊፆም።ሰለስቲኦም መናእሰይ ኣብ'ዚ እዋን ሰፊሕ መርየት ተቀሪቡ ስለዘሎ ተወሰኽቲ መናእሰይ ክቕበል ዓቅሚ ኣሎዎ ይብሉ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መናእሰይን ማሕበራዊን ከተማ ኣክሱም መምህር ኣለማዮሁ ፀሃየ ብወገኑ፡መናእሰይ'ታ ከተማ ተጠቀምቲ ልምዓት ንክኾኑ ትካል ጊልስ ማይ-ጉድጛድ ንክኹዕት ከምዝተሓተተን ኣብ ሓፂር እዋን ፈቃደኛ ምኻኑን ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG