ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኻርቱም ደብዳብ ነፈርቲ ምክያዱ ነበርቲ ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ሰራዊት ሱዳን ትማሊ ምሸት ኣብ ኻርቱም ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየደ ነበርቲ ይገልጹ። እቲ መጥቃዕቲ ዝስማዕ ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዝዓለመ ናይ ሓደ ሰሙን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን`ዩ።

እቲ ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣብታ ከተማ ንዝንቀሳቐሳ ዝነበራ መካይን ሓይሊ ወሃቢ ቅልጡፍ ድጋፍ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ተጠቒሱ`ሎ። እቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ትማሊ ምሸት ብኣቆጻጽራ ካርቱም ሰዓት 9፡45 ምሸት ክጅምር ዝጠልብ`ዩ።

እዚ ስምምዕ ብተወሳኺ ናብ ልዝብ ከምርሑ ዝገብር ፈላማይ ወግዓዊ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ምዃኑ ይግለጽ። ከምኡ`ውን እቲ ውዕል ተወከልቲ ወተሃደራዊ ሓይልን ሓይሊ ወሃቢ ቅልጡፍ ድጋፍን ከምኡ`ውን ተወከልቲ ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ምቁጽጻር ክገብርሉ ዝጠልብ`ዩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ነቶም ብጀነራል ሒሚቲ ዝምርሑ ሓይሊ ወሃቢ ቅልጡፍ ድጋፍ ካብ ኻርቱም ከውጽእዎም ክፍትኑ ጸኒሖም ኣለዉ።

እንተኾነ ሓሙሽተ ሰሙናት ዘሕለፈ ኣብ ኻርቱም ዝካየድ ኲናት ንሚልዮናት ኣብ ገዝኦም ዓጽዩዎም ይርከብ። ኣብ ጅዳ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለስን ዝገብር`ዩ።

XS
SM
MD
LG