ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኣቦ-መንበር መንገዲ ኣየር ክኸውን መዚዛ


ኢትዮጵያ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኣቦ-መንበር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክኸውን መዚዛ።

ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ናብዚ ሓዲሽ ሓላፍነት ቅድሚ ምምጽኡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኣባል ቦርድ`ቲ መንገዲ ኣየር ኮይኑ ኣገልጊሉ`ዩ።

ንሱ ነቶም ወዲ 79 ዓመት ኣቶ ግርማ ዋቀ ክትክእ`ዩ፡ ኣቶ ግርማ ዋቀ ኣብ 1965 ናብቲ መንገዲ ኣየር ዝተጸንበሩን ካብ 2004 ክሳብ 2011 ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮይኖም ዘገልገሉን`ዮም።

ምሉእ ንምሉእ ብመንግስቲ ዝውነን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2021/2022 ዝነበረ ግዜ 937 ሚልየን ዶላር መኽሰብ ከም ዝረኸበ ይግለጽ።

ሓዲሽ ኣቦ-መንበር`ቲ መንገዲ ኣየር ሌ/ና ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ጌሩ ከም ዝመዘዞ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG