ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኣቦ-መንበር መንገዲ ኣየር ክኸውን መዚዛ

ኢትዮጵያ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኣቦ-መንበር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክኸውን መዚዛ።

ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ናብዚ ሓዲሽ ሓላፍነት ቅድሚ ምምጽኡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኣባል ቦርድ`ቲ መንገዲ ኣየር ኮይኑ ኣገልጊሉ`ዩ።

ንሱ ነቶም ወዲ 79 ዓመት ኣቶ ግርማ ዋቀ ክትክእ`ዩ፡ ኣቶ ግርማ ዋቀ ኣብ 1965 ናብቲ መንገዲ ኣየር ዝተጸንበሩን ካብ 2004 ክሳብ 2011 ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮይኖም ዘገልገሉን`ዮም።

ምሉእ ንምሉእ ብመንግስቲ ዝውነን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2021/2022 ዝነበረ ግዜ 937 ሚልየን ዶላር መኽሰብ ከም ዝረኸበ ይግለጽ።

ሓዲሽ ኣቦ-መንበር`ቲ መንገዲ ኣየር ሌ/ና ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ጌሩ ከም ዝመዘዞ ይፍለጥ።

This item is part of

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG