ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 23-ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ንመሰል ነፃነት ሓሳብካ ምግላፅ ብዝገበሮ ቃልሲ ተዓዋቲ ሽልማት መሰላት ሽወደን ከምዝኾነ ነቲ ሽልማት ዝሃበ ኣካል ኣፍሊጡ።
ዳዊት ኢሳቅ ካብ መንጎ’ቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ላዕለዎት ሰብ መዚን ጋዜጠኛታትን’ዩ።
ኤደልስታም ፋዉንደሽን ኣብ መግለጺኡ “ብናጽነት ሓሳብካ ኣብ ምግላፅን ኣብ ምኽባር እምነትን ሰብኣዊ መሰላትን ንዝገበሮ ብሉፅ ኣበርክቶ ሽልማት ኤደልሳትም ተሸሊሙ’ሎ” ክብል ኣፍሊጡ።
ዓለምለኸ ትካል ተሓላቂ መሰላት ኣምስት ኢንተርናሽናል ዳዊት ኢሳቅ ናይ ሕልና እሱር’ዩ ክብሎ ከሎ ተሓላቂ መሰል ጋዜጠኛታት ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ከኣ ንሱን ምስኡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝተኣስሩ ብጾቱ ጋዜጠኛታትን ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ እዋን ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት'ዮም ኢሉ።
ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ ብህጹፅ ክፍታሕ ሓቲቶም’ለዉ።
ኤርትራ ብዛዕብኡ ዝሃበቶ ሓበሬታ የለን። ምናልባት’ዉን ብህይወት የለን ይኽውን ዝብል ስግኣት ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳዊት ኢሳቅ ዕድሚኡ 60-ዓመት’ዩ።
ነቲ ሽልማት ጓሉ ቤተልሄም ኢሳቅ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝመፅእ 19 ሕዳር ክትቅበሎ’ያ።
ቅጥዒ