ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ወከልቲ ክካፈልሉ‘ዮም ዝተባሃለሉ ኮንፈረንስ ኤይድስ፣ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽፈት‘ዩ።ናብ‘ቲ ኣድማሳዊ ኮንፈረንስ ዘቀራርብ ንኡስ ኣኼባ ተጀሚሩ‘ሎ ይብል ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።
ኩነታት ኤይድስን ፆታዊ ተላገብቲ ሕማማትን ኣብ ኣፍሪቃ ዝብል ኮንፍረንስ ዓመታዊ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይሳለጥ።ዛጊድ ፲፭ ጉባኤታት ተካይዶም‘ለው።መበል 16 ኣብ ኢትዮዽያ ተዳልዩ‘ሎ።
እቲ ኣብ ታሕሳስ ዝኽፈት ኣኼባ ዕውት ኮይኑ ንክዛዘም፣ግቡእ ምቅርራብ ይሳለጥ ከምዘሎ ምንስትር ጥዕና ኢትዮዽያ ዶ/ር ቴድሮፍ ኣድሓኖም ገሊፆም።ንሶም ኣብ‘ቲ ናይ ሎሚ መኽፈቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ነዚ ዓብዪ ኣኼባ ንምትእንጋድ እምነት ስለዘሕደርኩምልና ኣዚና ኢና ነመስግን ኢሎም።ንዝቀረበሎም ሕቶ ምስ‘ቲ ናይ ታሕሳስ ኣኼባ ብምትእስሳር ክዛረቡ ከለው “ናይ ሎሚ ኣኼባ፣እቲ ሓፈሻዊ ኣኼባ ንክኽፈት ሰለስተ ወርሒ ክተርፎ ከሎ ዝሳለጥ ማራቶን ኣኼባ ኢሎም ዝገልፅዎ ኣኼባ‘ዩ።ብዙሓት ሳይንሳዊ ምርምራት ዝቀርቡሉን ዝምመይሉን ኣኼባ‘ዩ።ኣጀንዳታት‘ውን ዝንፀረሉ ኣኼባ‘ዩ” ኢሎም።
ዓሰርቲ ሽሕ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኤይድስ ኣዝዩ ብዙሕ‘ዩ።ክሳዕ ክንዲ‘ዚ በዝሒ ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ክምልሱ ከለው፣
እቲ ናይ ታሕሳስ ኣድማሳዊ፣ኣዝዩ ዝተፈልጠን ሙሉእ ዓለም ክሳተፈሉን ዝመርፆ ኣኼባ‘ዩ፣ብርክት ዝበላ ሃገራት ብዛዕባ ኤይድስ ዝተፈላለየ ምርምራት ኣብ ምግባር ስለዝርከባ፣ውፅኢት ምርምረን ከላልያ ስለዝመርፃን‘ዩ ኢሎም።
ብመሰረት መግለፂ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ኣብ‘ቲ ናይ ታሕሳስ ኣኼባ ኤይድስ መራሕቲ ሃገራት፣ሳይንቲስታትን ወከልቲ ትካላትን ተሳተፍቲ ክኾኑ‘ዮም።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሓላፊ ርክባት‘ቲ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ሚኪያስ ሲሳይ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ዛጊድ ልዕሊ 2,900 ስራሕቲ ምርምር ናብ ውድድር ክቀርቡ ተመዝጊቦም‘ለው ኢሎም ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።
ክሳብ 10 ሽሕ ተወከልቲ ካብ መላእ-ዓለም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትው'ዮም