ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ኤድስ 2012 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ 5ይ መዓልቱ ሒዙ'ሎ


አብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝካየድ ዘሎ መበል 19 ዓለም ለኸ ጉባኤ ኤድስ ሎሚ 5ይ መዓልቱ ሒዙ'ሎ። ተኻፈልቲ'ቲ ጉባኤ ዝተፈላለየ ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር ኾነ ዝርጋሐኡ ንምግታእ ክግበር አለዎ ዝብልዎ ሓሳባት ይለዋወጡ'ለው።
ገለ ካብቲ ን'ኤች ኣይ ቪ ንምቁፅፃር ኾነ ዝርጋሐኡ ንምግታእ ክግበር አለዎ ዝብልዎ ሓሳባት ግዝረት ደቂ ተባዕትዮን ፡ ቀረብ ማይን ፅርየትን ፡ ከምኡ'ውን ሓደ ምስ ሓደ ምውሳን ዝብሉ ናይ ባህሪ ለውጢን ብዙሕ ወፃኢ ዘይሓቱ ግን ዓብይ ግደ ዘለዎም ምኻኖም ተዘሪብሉ'ሎ።
ኣብዚ ሊቃውንቲ ተመራመርቲ ዲፕሎማት መራሕቲ ፖሎቲካ ተሓላቅቲ ሕሙማት ኤድስ ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ዘለዎም ዘይብሎም ልዕሊ 20-ሽሕ ሰባት ዝኻፈልሉ ዘለው ጉባኤ ህንጡይነትን ተስፋን ዝተሓዋወሶ ስእሊ ይንጸባረቆ'ሎ። ዓለም ኣብ መወዳእትኡ ኤድስ ክተወግድ ትኽእል`ያ ዝብል ተስፋ`ውን የሕድር ኣሎ።

ካብ ኤድስ ነፃ ዝኾነ ወለዶ ንኽመፅእ ኣሜሪካ ውፍይቲ'ያ ክብላ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሂለሪ ክሊንተን ነቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ምግላፀን ይዝከር።

ሙሉእ ፀብጻብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG