ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 19 ዓለም ለኸ ጉባኤ ኤድስ 2012 ዋሽንግተን ዲሲ ሎሚ ተዛዚሙ


ካብ 183 ሃገራት ዝመፁ ዳርጋ 24 ሽሕ ተኻፈልቲ ንሰሙን ኣብ ልዕሊ ሳይንሳዊ ማሕበረ ሰብአዊን መሪሕነታውን አኹአባታት ዘተኮሩ 194 አኺኣባታት ድሕሪ ምክያድ መበል 19 ዓለም ለኸ ጉባኤ ኤድስ 2012 ዋሽንግተን ዲሲ ሎሚ ተዛዚሙ'ሎ።
ተኻፈልቲ'ቲ ጉባኤ ዝተፈላለየ ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር ኾነ ዝርጋሐኡ ንምግታእ ክግበር አለዎ ዝብልዎ ሓሳባት ተለዋዊጦም'ዮም።
ገለ ካብቲ ን'ኤች ኣይ ቪ ንምቁፅፃር ኾነ ዝርጋሐኡ ንምግታእ ክግበር አለዎ ዝብልዎ ሓሳባት ግዝረት ደቂ ተባዕትዮን ፡ ቀረብ ማይን ፅርየትን ፡ ከምኡ'ውን ሓደ ምስ ሓደ ምውሳን ዝብሉ ናይ ባህሪ ለውጢን ብዙሕ ወፃኢ ዘይሓቱ ግን ዓብይ ግደ ዘለዎም ምኻኖም ተዘሪብሉ'ሎ።
ኣብዚ ሊቃውንቲ ተመራመርቲ ዲፕሎማት መራሕቲ ፖሎቲካ ተሓላቅቲ ሕሙማት ኤድስ ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ዘለዎም ዘይብሎም ልዕሊ 20-ሽሕ ሰባት ዝኻፈልሉ ዘለው ጉባኤ ህንጡይነትን ተስፋን ዝተሓዋወሶ ስእሊ ይንጸባረቆ'ሎ። ዓለም ኣብ መወዳእትኡ ኤድስ ክተወግድ ትኽእል`ያ ዝብል ተስፋ`ውን ኣሕዲሩ'ሎ።

ካብ ኤድስ ነፃ ዝኾነ ወለዶ ንኽመፅእ ኣሜሪካ ውፍይቲ'ያ ክብላ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሂለሪ ክሊንተን ነቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ምግላፀን ይዝከር።

ሙሉእ ፀብጻብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG