ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

6 ሰራሕተኛታት ረድኤት ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ከም ዝተቐተልዎ ሓደ ትካል ረድኤት ኣፍሊጡ


ኣብ ቓዛ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ከም ዝተቐተልዎ ሓደ ኣህጉራዊ ትካል ረድኤት ኣፍሊጡ።

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ መግለጺኡ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ነቶም ዝተወጽኡ ፍልስጤማውያን ረድኤት እናዓደሉ ከለዉ ብነፋሪት ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ። ንሳቶም ዜጋታት ኣውስትራልያ: ፖላንድ: እንግሊዝን ሓደ ካናዳዊ ኣመሪካውን ከም ዝርከብዎም እቲ ዎርልድ ሰንትራል ኪችን ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ኣፍሊጡ`ሎ።

እቶም ሰራሕተኛታት ምንቅስቓሳቶም ንሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጦም እናሃለዉ ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል እቲ ዘሕዝን ኩነታት ከመይ ከም ዝተፈጸመ ይግምግሞ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣስከሬን `ቶም ብነፋሪት ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ናብ ማእከላይ ቓዛ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዶብ ግብጺ ትርከብ ከተማ ራፋሕ ተወሲዱ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG