ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ድሕንነት ዶብ ዝምልከት ውጥን ብዘይምፅዳቑ ሓገዝ ንዩክሬን ኣብ ሓደጋ ይርከብ 


ኣመሪካ፡ ድሕንነት ዶብ ዝምልከት ውጥን ብዘይምፅዳቑ ሓገዝ ንዩክሬን ኣብ ሓደጋ ይርከብ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:25 0:00

ኣመሪካ፡ ድሕንነት ዶብ ዝምልከት ውጥን ብዘይምፅዳቑ ሓገዝ ንዩክሬን ኣብ ሓደጋ ይርከብ

ባይቶ ኣመሪካ ነቲ ዋይት ሃውስ ንመጥቃዕቲ ሩስያ ንምምካት ንዩክሬን ናይ 60 ቢልዮን ዶላር ሓድሽ ሓገዝ ንኽወሃባ ዘቅረቦ ሕቶ ንኽፀድቅ እኹል ደገፍ ክረክብ ዝኽእል እንተኾይኑ ንምርግጋፅ ሎሚ ረቡዕ 6 ታሕሳስ ድምጺ ናብ ምሃብ መስርሕ ተፈቲኑ ኔሩ።

ንዩክሬን ዝወሃብ ሓድሽ ዙር ሓገዝ ብዝምልከት ሪፖብሊካን ኣባላት ሰነት ዲሞክራቲክ ኣባላት ንዶባት ሃገሮም ኣብ ምውሓስ ኣይተዓወቱን ክብሉ ብምንቃፍ ድምጾም ይመልሱ ኣለው።

ኣባል ሪፖብሊካን ዝኾኑ ኬቨን ክራመር “ኩሉ ዘለና ንዩክሬንን እስራኤልን ክንህብ ዘፍቅድ ሓደ ምሉእ ፖለቲካዊ ፓርቲ እዩ ዘለና። ዶባትና ጋህ ኢሉ እንተተኸፈተ`ውን ብዙሕ ዘገድሶ ፓርቲ ኣይኮነን” ክብሉ ይነቕፉ።

ዲሞክራሲያውያን ነቲ ዋይት ሃውስ ንሃገራዊ ደሕንነት ተባሂሉ ዘቅረቦ 106 ቢልዮን ዶላር መብዛሕትኡ ብድልየታት ዲሞክራሲያውያን ቀዳምነት ዝህቡሎም ጉዳያት ደሕንነት ዶብ ዘጠቃለለ ኩሉ ብሓንሳብ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ክብሉ ይሙግቱ። መራሒ ብዙሓን ሰኔት ኣሜሪካ ሻክ ሹመር “ዲሞክራሲያውያን ንዩክሬን ኣብ ምሕጋዝ ዕቱብ መርገፂ እዩ ዘለና። ሪፐብሊካውያን ከምኡ ኣይኮኑን። ንዶባት ዝምልከት ዝቐረበ እማመ`ውን ንከጽድቑዎ ወርቃዊ ዕድል ንህቦም ኣለና።”

ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት ዋይት ሃውስ ጄክ ሱሊቫን ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ከምዝበልዎ ንዩክሬን ብዛዕባ ዝወሃብ ሓገዝ ዝምልከት ውሳነ መዓልቱ ይውዳእ ምህላዉን ምምሕዳሮም እውን ንወተሃደራዊ ዓቅሚ ሓይሊ ምክልኻል ኣመሪካ ብዘይፀልው መልክዑ ክገብሮ ዝፀንሐ ሓገዛት ኣፅዋርን ናውትን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ጊዚኡ ከብቕዕ ምዃኑ ሓቢሮም።

ዲሞክራሲያውያን ነቲ ሎሚ ረቡዕ ንዩክሬንን እስራኤልን ኣብ ዝወሃብ ሓገዝ ኣመልኪቱ ድጋፍ ንምርካብ ናይ ድምጺ ማህብ መስርሕ ንምክያድ ውጥን ተታሒዙሉ ዘሎ ኣገባብ ክሓልፍ ምዃኑ ይጠራጠሩ።

ኮሚተ ርክባት ወጻኢ ዝኾኑ ኣባል ዲሞክራሲያውያን ክሪስ መርፊ ፃዕሪ ከምዘድሊ ይዛረቡ። “ንሕጊ ኢምግረሽን እንተዘይቀየርና ዝብል መርገጾም ዝቕጽልሉ እንተኾይኖም፡ ካልእ ስራሕ ኣለና፡ ንዓለምና ካብ ቭላድሚር ናይ ምድሓን ስራሕ።"

ኣብቲ ወከልቲ ዲሞክራሲያውያን ዝበዝሕሉ ሴነት ኣመሪካ ዝሓለፈ ዝኾነ ስምምዕ ናብቲ ሪፖብሊካውያን ዝዓብለልዎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ዘይክሓልፍ ይኽእል እዩ። ኣብ ልዕሊ'ዚ ድማ ገለ ሓገግቲ ምምሕዳር ባይደን ነቲ ኣብ ዩክሬን ረኺበዮ ዝብሎ ዓወት ዛጊድ ብወግዒ ኣይገለፀን ክብሉ ይካትዑ።

ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ማይክ ጆንሰን “ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ክምለሱ ዝግበኦም ሕቶታት ኣለው፤ ካብ መንጎኦም እንታይ እዩ እቲ ቀንዲ ዕላማ ዝብል`ዩ፧ ኣብ ዩክሬን ኣብ መወዳእታ ክርከብ ዝድለ ዘሎ ሸቶ እንታይ እዩ፧ ካብቲ ክቡር ሃብቲ ከፈልቲ ግብሪ ኣመሪካውያን ዝተረኽበ ገንዘብ ዝወሃብ ሓገዝ ከመይ ኢና ግቡኡ ቁፅፅር ክንገብረሉ ንኽእል ኣብ ዝብሉ ምዝታይና ክንቅፅል ኢና።”

ብኣንፃሩ ድማ ዲሞክራሲያውያን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣመሪካ ንዩክሬን እትገብሮ ሓገዝ ክቋረፅ እሞ ኣውሮጳውያን መሻርኽቲ ድማ ብኡ ተተባቢዖም ሓገዞም ከቋርፁ ምርኣይ ትምኒቱ ምዃኑን ትማሊ ሰሉስ ኣጠንቂቆም።

ኮሚቴ ኣገልግሎት ኣፅዋር ኣባል ዴሞክራሲያውያን ኣዳም ስሚዝ “ኣብ ዩክሬን ንፁር ዕላማ እዩ ዘለና። ሽቶታትና ድማ ወቂዕና ኢና። ሕጂ ንድሕሪት ኣይንመለስን። ምሉእ ብምሉእ ዓወት ክርከብ ንምዃኑ ርግፀኝነት ብዘይምህላዉ፣ ምሉእ ብምሉእ ዩክሬን ነፃ ብዘይምውፃኣን ምኽንያት ሓገዛትካ ኣቋሪፅካ ኣብ ዩክሬን ተስፋ ምቁራፅ ግቡእ ኣይኮነን”ኢሎም።

ሓገግቲ ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ ከይበፅሑ ጊዜይውዳእ ኣሎ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መወዳእታ ዝመፅእ ሰሙን ጀሚሮም ንበዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ዕረፍቲ ክወስዱ ምዃኖም ዝወፀ መደብ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG