ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ተቐቲሎም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ተወሊዑ ብዘሎ ጎንጺ ክልተ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ረዲኤት ካቶሊክ (Catholic Relief Services) ብሰንበት ከም ዝተቐትሉ ንሰብ-መዚ እቲ ትካል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ከተማ ቆቦ ዝተቐትሉ ኰይኖም፡ ንዝርዝር ኣማዋትኦም ኣመልኪቱ ግን እቲ ትካል ዛጊት ሓበሬታ ኣይሃበን።

እቶም ግዳያት ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ምምላስ ምንባሮም እቲ ዜና ጠቒሱ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዛዕባ’ቲ ክስተት ኣመልኪቱ ካብ ሰብ-መዚ መንግስቲን እቲ ክልልን ግብረ-መልሲ ንምርካብ ከም ዘየሰለጦ ጠቒሱ ኣሎ።

ትማሊ ኣብ በበይኑ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ሰፋሕቲ ተቓውሞ፡ ብሕልፊ ኣብ ደሴ ምዕጋት መካይንን ምቅጻል ጎማታትን ምንባሩ ሮይተርስ ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG