ምስ ምምጻእ ሓድሽ ቴክኖሎጂ፡ ሕብረተሰባት ደሞክራሲያውያን ሃገራት እኹል ክትዕን ዘተን ከም ዘይገብሩ መጽናዕታዊ ታሪኻት ይስንዱ። ልዕሊ ኵሉ ድማ ኣብ ስነ-ምግባር እቲ ሓድሽ ውጽኢት ቴክኖሎጂን ነቲ ዘሎ ኣካይዳ ሕብረተሰብን ብኸመይ ክጸልዎ ምዃኑን እኹል ምይይጥ የድሊ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን መዛረቢ ተመራመርቲ ኰይኑ ዘሎ፡ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፍጠር ዘሎ ስራሓት’ዩ። እቲ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ነቲ ዘሎ ኣቃውማ ሕብረተሰብ ቀዲሙ ስለ ዝሓለፈ፡ ተደማሚሩ ንደሞክራሲ’ውን ሃስያ ከውርድ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ዝተፈላለ ዳህሳታት ህዝቢ ከም ዘምልክቶ፡ ህዝቢ ናብ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ክሰግር ህንጡይነት ኣለዎ። እንተዀነ፡ ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሑ እኹል ኣፍልጦን ግንዛበን ክህሉ ህዝቢ ትጽቢት ይገብር። ንኣብነት ኣብ 2020 ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ ክልተ ሲሶ ናይቶም መልሲ ዝሃቡ፡ ቅድሚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ምትእትታው ህዝቢ እኹል ኣፍልጦን ክህሉዎ ከም ዝደልዩ ኣመልኪቶም።
ኣብቲ ህዝባዊ ዳህሳስ ካልእ ዝተነጸረ ነጥቢ እንተ ነይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሓገግቲ ኣካላት ኣመሪካ ዘሎ ስእነት እምነት’ዩ። ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ዳህሳስ ኮንግረስ ንህዝቢ ዝጠቅምን ኣማዛዚኑ ፖሊሲ ክወጽእ’ዩ ኢሎም ምሉእ እምነት ዘሕድሩ ውሑዳት’ዮም። እቲ እምነት ምስኣን ግን ኣብ ልዕሊ ሓገግቲ ኣካላት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ኮባንያታት ቴክኖሎጂ እውን’ዩ።
ስለዚ እምበኣር እቲ ሕጂ ኣዛራርቢ ኣርእስቲ ዝኸውን፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሓገግቲ ኣካላትን ኩባንያታት ቴክኖሎጂ እምነት ካብ ኣጕደለ እቲ እንኮ ኣማራጺ፡ ናብ ዝሰፍሐ ተጠቃሚ ዝወርድ ሰፋሕቲ ምይይጣት ምግባር’ዩ።
ንኣብነት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዘራራቢ ዛዕባ ኰይኑ ዘሎ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ፡ ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ንረብሓኦም ዘቐድም ስራሓት ከፍርዩ ምዃኖም ኣየጠራጥርን። ህዝቢ ድማ ኣብቶም ንፖሊስ እተን ትካላት ምቍጽጻር ክገብር ትጽቢት ዝግበረሉ ሓጋጊ ኣካል እምነት የብሉን። ነዚ ኣብ መንጎ ዘሎ ጋግ ዘተዓርቕ ኣካል እቲ ዘሎ ኣማራጺ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ’ዩ።
መራሕቲ ተመራመርቲ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት እምበኣር፡ ንኩባንያታት ቴክኖሎጂ፡ ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ተጠቀምቲ ህዝቢን ዘጣምር ዘተታት ክግበር ይጽውዑ።
ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ብዝኸዶ ዘሎ ቅልጣፈ፡ ንሓያሎ መሰረታውያን ኣዕኑዳት ሕብረተሰባት ከዕኑ ከም ዝኽእል ተመራመርቲ የጠንቅቑ። እቲ ቀንዲ ኣዛራራቢ ኣርእስቲ ዝኸውን ድማ ኣብ ስነ-ምግባር ሕብረተሰብን ክፈጥሮ ዝኽእል ሓድሽ ባህሪን’ዩ። ካብ ብዓንተቦኡ እኹል ግንዛበን ዘድሊ ዘተን እንተ ዘይተኻዪዱሉ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ እቲ ዕንወቱ ክዓቢን ድሕሪኡ ድማ ንምምላሱ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ክበጽሕን ከም ዝኽእል ተመራመርቲ የተሓሳስቡ።
ኣብ ዓውዲ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝነጥፉ ተመራመርቲ ንገዛእ ርእሶም ብዛዕባ ኣንፈት እቲ ዓውዲ ንምርኣይ ከም ዝጽገሙ ይገልጹ። በቲ ዝኸዶ ዘሎ ገስጋስ ካልእ ዘይተሓስበ ጎድናዊ ሳዕቤናት ክህሉዎ ምዃኑ ድማ መብዛሕትኦም ዝሰማምዑሉ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ 2022 ኣብ መንጎ ተመራመርቲ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ብዩኒቨርስቲ ዊስኮንሲን ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 9 ካብ 10 ካብቶም ዝተሓተቱ “ዘይተሓስበ ኣሉታዊ ሳዕቤን” ክህሉዎ ምዃኑ መሊሶም። ካብቶም ዝተሓተቱ ተመራመርቲ ¾ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ዓውዲ ኣብ ልዕሊ ሓፈሻዊ ህዝቢ እኹል ግንዛበ ከም ዘየለ ሓቢሮም።ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ በዚ ዘሎ ደረጃ ድማ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ እዚ ዓውዲን ተጠቃሚ ህዝቢን ዓቢ ጋግ ከም ዘሎን እቲ ግንዛበ እኹል ዘይምዃኑን ሓቢሮም ይብል ።
ኣብዚ መዳይ ብዕምቆት እትሰርሕን ብዛዕባ’ዚ ዘለዎ ሓደገኛ ተኽእሎን ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ እትህብን ዘላ ሓንቲ ካብቶም ጸለውቲ ተመራመርቲ እዚ ዓውዲ ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ትምኒት ገብሩ’ያ። ሓንቲ ካብ ጸለውቲ 100 ሰባት ዓለም ኰይና ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብመጽሔት ታይም ዝተረቝሐት ትምኒት፡ ኣብቲ መጽሔት ታይም፡ “ዛጊት ኣብዚ ዓውዲ ካብ ዝተጻሕፉ ኣዝዮም ጸለውቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋት” ኢሉ ኣብ ዝሰመያ ምስ ካልኣይታ ዘሕተመታ መጽናዕታዊ ጽሕፍታ፡ እዚ ዓውዲ እኹል ግንዛበ እንተ ዘይተገይሩሉ ኣብቶም ድሮ ተሃስዮም ዘለዉ ኣካላት ሕብረተሰብ ከምጽኦ ብዛዕባ ዝኽእል ዓቢ ተጽዕኖ’ዩ ኢላ። ዶክተር ትምኒት ገብሩ ቅድሚ ሕጂ’ውን ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ ዓውዲ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ እኹል ግንዛበን ንስነ-ምግባር እቲ ዓውዲ ጽቡቕ ክትትልን እንተ ዘይተገይሩሉ ካብቲ ዘርብሖ ከምጽኦ ዝኽእል ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤናት ክበዝሕ ከም ዝኽእል ተጠንቅቕ።
በዚ ምኽንያት ከኣ’ያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ትምኒት ገብሩ፡ ምስ ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ በቲኻ ባዕላ ኣብ ዘቘመቶ Distributed AI Research Institute (DAIR) ዝተባህለ ትካል መስሪታ ኣብቲ ዓውዲ እኹል መጽናዕቲን ግንዛበን ንኽህሉ እትሰርሕ ዘላ።
ቅጥዒ