ኣርተፊሻላዊ ብልሒ በጺሑዎ ብዘሎ ደረጃ፡ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኣመሪካ፡ ንኣድመጽቲ ብምስሩሕ ጽምጺ፡ ምስልታትን ካልእ ምቅንባራትን ከዕለቕልቖም ከም ዝኽእል ክኢልታት የጠንቅቑ።
ተወዳደርቲ ፖለቲካውያን ዘይገበሩዎን ዘይበሉዎን ብዝተመስርሐ ድምጺን ምስሊን፡ ልክዕ ናታቶም ክመስል ኣብ ዘኽእለሉ ደረጃ ስለ ዘሎ፡ ኣድመጽቲ ዕላማ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ስክፍታ ኣሎ።
ክኢላታት የጠንቅቑዎ ከም ዘለዉ ድማ ነቲ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝኸዶ ዘሎ ገስጋስ ዝምጠን ምድላዋት ከምዘየሎ'ዩ።
ምስ ምዕባለ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ክመጽእ ዝኽእል ተርእዮታት ብዙሕ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይስትድ ፕረስ ኣመልኪቱ ኣሎ። ገለ ካብኡ፡ ብስም ተወዳዳሪ ዝምላእ ድምጺ ኰይኑ፡ ኰነ ኢሉ ብዛዕባ ዕለትን ቦታን ምርጫ ጌጋ ሓበሬታ ምሃብ ክኸውን ይኽእል። ምናልባት’ውን ተወዳደርቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይበሉዎ ብዛዕባ ፈጺሞም ዝብሃል ገበን ክእመኑ ወይ ድማ ኣነዋሪ ዘረባታት ክዛረቡ’ውን ክምስራሕ ይኽእል። ስኑዕ ስእሊ ብምቕራብ’ውን ቅድሚ ሕጂ ተወዳደሪ ሕጹይ ዘይበጽሖን ዘይተራኸቦን ሰብ ከም ዝተገብረ ጌርካ ክዳሎ ይኽእል’ዩ። እዚታት ብመቀናቕንቲ ክምስራሕ ዝኽእል ገለ ኣብነታት’ዩ።
ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝተመስርሐ ምስልታትን ድምጽታትን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ምውዕዋዕ ክውዕል ጀሚሩ ኣሎ። ንኣብነት እኳ ኣብ ምርጫ 2024 ንምውድዳር ዝቀራረብ ዘሎ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ምስ መደበር ቴለቪዥን ሲኤንኤን ድሕሪ ዝገበሮ ዘተ ንሓደ ካብ ቀንዲ ኣቕረብቲ መደበር ቴለቪዥን ዝዀነ ኣንደርሰን ኩፐር ምስሩሕ ግብረ-መልሱ ኣካፊሉ። እቲ ብትራምፕ ንደገፍቱ ዝተዘርግሐ ምስሊን ድምጺን ኣንደርሰን ኩፐር፡ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፈረየ ኰይኑ፡ እቲ ህቡብ ጋዜጠኛ ዘይበሎን ዘይገበሮን ይርከቦ።
ኣብ ቀረባ እዋን’ውን ብተመሳሳሊ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ብቤት ፍርዲ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ከም ዝተኣስረ ዘመልክት ምስሩሕ ስእልታት ይዘውር ነይሩ። ዋላ’ኳ ትራምፕ ኣይተኣሰር እምበር፡ እቲ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝተመሰርሐ ምስልታት ግን ንፖሊስ እናተታሕዘን ካብኣቶም ክፍንጥስ እናጸዓረን ዘርኢ’ዩ ነይሩ።
ኣቐድም ኣቢሎም ብሰልፊ ሪፓብሊካን ኣንጻር ፕረዚደንት ባይደን ዝተዘርግሑ መወዓውዒታት’ውን ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝተመስርሑ ነይሮም’ዮም። እቲ ተርእዮ ፕረዚደንት ባይደን ንዝመጽእ ምርጫ ተወዳዲሩ ምስ ዝዕወት ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ሕንፍሽፍሽ ንምርኣይ ዝዓለሙ ኰይኖም፡ ኣብኡ ቀሪቡ ዘሎ ጸለመን ምስልታት ግን ሰብ-ሰራሕ’ዩ። እቲ መወዓውዒ ኣብ መወዳእታ፡ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝተመሰርሐ ምዃኑ ኣመልኪቱ’ዩ። እቲ ሕቶ ግን ነቲ ምልክታ ዘንብቡን ብግቡእ ዝርድኡን ክንደይ’ዮም ዝብል’ዩ።
ነዚ ብምርዳእ’ውን ገለ ኣባላት ባይቶ፡ ተወዳደርቲ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፍረየ ወይ ዝተመሓየሸ ምስልታትን ድምጺን ምስ ዝጥቀሙ ክሕብሩ ዘገድድ ሕጊ ንምሕላፍ ኣብ መስርሕ ይርከቡ።
እቲ ቀንዲ ስክፍታ ግን ምስ ቅልጣፈ ቴክኖሎጂን ሓይሊ ኣርተፊሻላዊ ብልሒን እቲ ናይ ምድንጋር ተኽእሎታት ዓቢ ክኸውን ከም ዝኽእል ብዙሓት ስግኣቶም የካፍሉ።