ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡ ሓረስቶት ንኡስ ዞባ በሪኽ ዘራአቶም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ገሊጾም


ኣብ ዓድታት ጸዓዘጋ፡ጸዓዳ ክርስቲያንን ዓዲ ሙሳን ኣብ እዋን ኣዝመራን ክረምትን ዝተዘርኡ ዘራእቲ ምቁራጽ ዝናብን ተርእዮታት ሓሰኻን አንተጋጥመ’ኳ ብዝተገብረ ጻዕርን ኣብ ወርሒ ሓምለ በዝዘነበ ጽቡቕ ዝናብን ተሓጊዙ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ሓረስቶት እዞም ዓድታት ሓቢሮም።


ኣብ 6,000 ሄክታር ዝተዘርኡ ኣእካል ከም ጣፍ፣ስርናይ፣ስገምን ሓንፈጽን፣ነቒጾም ኣብ ደረጃ ምዕጻድ ከምዝበጽሑን መሸላ'ውን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከምዝርከብ እቶም ሓራስቶት ናይ'ተን ዓድታት ገሊጾም።


ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ሓንቲ ካብተን ንኡሳን ዞባታት ዞባ ማእከል ኮይና ን21 ዓድታት ዝሓቑፍ 27,219 ሄክታር
ስፍሓት መሬት ኣለዋ። 82 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ናይዚ ንኡስ ዞባ ብሕርሻ ይናበር።


ንኡስ ዞባ በሪኽ ብሰሜን ምስ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፣ብምብራቕ ምስ ንኡስ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስመራ፣ብደቡብ ምስ ንኡስ ዞባ ጋላ ነፍሒ፣ብምዕራብ ከኣ ሚስ ንኡስ ዞባ ሎጎ ዓንሰባ ጋሽ ባርካ ይዳወብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG