ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ኦባማ ንምንዋሕ ዕድመ ምዕባለን ዕድልን ኣፍሪቃ (ኣግዋ) ክሰርሕ'ዩ ኢሎም ጆኒ ካርሰን


ምምሕዳር ኦባማ ምስ ትሕቲ ሳሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝፀንሐ ፍሉይ ርክብ ንግዲ ንክናዋሕ ከምዝድግፍን፣ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ነቲ ውዕል ንግዲ ንከናውሖ ከምዝሰርሕን ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ጆኒ ካርሰን ኣፍሊጦም።

ኣፍሪቃ ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተካየዱ ዝተፈላለዩ መድረኻት ቀንዲ መዘራረቢ ኮይና‘ላ።ንመሓውራዊ ምዕባለ ኣፍሪቃ ዝመኸረ ኣኼባ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰበ-ስልጣን፣ሰብ-ሃብቲን ሲቪላዊ ማሕበራትን‘ውን ኣብ’ዚ ሰሙን‘ዚ ተሳሊጡ‘ሎ።

ሚስተር ጆኒ ካርሰን ኣብ‘ቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፣ኣፍሪቃ ልዕሊ ኣውሮዻን ኣሜሪካን ሎም-ዘበን ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ሚእታዊ ቁጠባዊ ዕብየት ክተምዝግብ‘ያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ኢሎም።

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ልዕሊ ቢልዮን ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ እቶቱ ዝውሰኸሉ ኩነታት ስለይጋሃድ ዘሎ፣ንሰደዳት ኣሜሪካ ክሓብል‘ዩ ይብል።

ጆኒ ካርሰን ብወገኖም፣ኣፍሪቃ ዘለዋ ዕቁር ዓቅሚ ምዕባለ፣ብትሑት ቀረብ ኤሌክትሪክን ዘይተማሓየሸ መሓውራዊ ቅርፅን ክተዓናቀፍ ከምዝኽእል ይገልፁ።

”ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፣ክፍሊት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ተመጣጣኒ ዘይምኻኑ ሓደ ካብ ሞንጎ ዕንቅፋት ምዕባለ ኮይኑ‘ሎ።ንኣብነት ብበዝሒ ህዝባ ቀዲማ ትስራዕ ናይጀርያ ዘለዋ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ካብ ምምሕዳር ከተማ ሲንጋፖር ዝታሓተ‘ዩ” ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪቃ ኤሌክትሪክ ንምምንጫው ዝተፈፀሙ ፃዕሪታት ዘተባብዕ ኣይኮነነ ኢሎም ይገልፅዎ ሚስተር ጆኒ ካርሰን።ኢንዱስትሪ ነዳዲ ናይጀርያ ኣተሓሕዛ ኣይፀበቀን፣ከም ጋና ዝበላ ነዳዲ ዘለወን ሃገራት‘ውን እንተኾና ንኣንፈት ምዕባለአን ክንፅራ ይግባእ ኢሎም ንሶም።

“ሓደ ከም‘ቲ ኣብ ናይጀርያ ዘጓነፈ ጥፍኣት ከባቢ፣ብኽነትን ስርቅን ነዳዲ፣ ምስ ነበርቲ ገለ ከባቢታት ጎንፂን ጉሕለት ኣታዊ መኽሰብ ነዳዲ፣ወይካኣ ከም‘ቲ ኣብ ኖርዌይ ዝራኣይ ማለት‘ዩ፣ኣብ ዘፈር ትምህርቲ፣ክንክን ጥዕና፣ ምፍጣር ዕድላት ስራሕ፣ቁጠባዊ ምዕባለን ፖለቲካዊ ህድኣትን ከስዕብ ይኽእል‘ዩ” ኢሎም ንሶም።

ውዕል ምዕባለን ዕድላትን ኣፍሪቃ (ኣግዋ) ኢሎም ጆኒ ካርሰን፣ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ቁጠባዊ ምትእስሳር ዓንዲ-ሕቆ‘ዩ።ምምሕዳር ኦባማ ድማ፣እቲ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ዘብቅዕ ዕድመ ኣግዋ ንክናዋሕ ድልየቱ‘ዩ። ምንዋሕ ዕድመ ኣግዋ ግና ኣብ ኢድ ኮንግረስ ኣሜሪካ‘ዩ ዘሎ፥

“ዕድመ ኣግዋ ንክናዋሕ መእንታን፣ምምሕዳር ኦባማ ምስ ኮንግረስ ይሰርሕ‘ሎ።እቲ ውዕል ዝህልዎ ትሕዝቶ ንክመሓየሽ ድማ፣ኣባላት ሲቮላዊ ማሕበረ-ሰብ እጃሙ ከውፊ ኣለዎ”ባሃላይ’ዮም ንሶም።

ቅድሚ 12 ዓመት ዝፀደቀ ሕጊ ስምምዓት ንግዲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ኣግዋ፣ኣርባዓ ሃገራት ኣፍሪቃ ንገለ ፍርያተን ናብ ዕዳጋታት ኣሜሪካ ብዘይቀረፅ ንከእትዋ ዝፈቅድ ምኻኑ ይፍለጥ።

ብመሰረት ፀብፃባት ምንስቴር ንግዲ ኣሜሪካ፣ዩ-ስ ናብ ኣፍሪቃ ትሰዶም ፍርያት ዓሚ ናብ 21 ቢልዮን ዶላር ከምዝበፅሐ ይሕብር።ኣሜሪካ ካብ ኣፍሪቃ ትቅበሎ ሰደድ ግና ናብ 72 ቢልዮን ዶላር ክብ ኢሉ‘ሎ።ቴስዓ ሚእታዊ ሰደድ ኣፍሪቃ ናብ ኣሜሪካ ካብ ነዳዲ ዝርከብ‘ዩ።ኣብ‘ዚ እዋን ግና ኢንዱትሪ ዓለባን ካልኦት ፍርያት ንክጠናኸሩ መተባብዒ ይዋሃብ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG