ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዋእሎም ምፍሳስ ንዝደልዩ ኩባኒያትታ ኣሜሪካ ዝሕግዝ ቤት ፅሕፈት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኸፍት እዩ


አጎአ - አዲስ አበባ
አጎአ - አዲስ አበባ
ዩናይትድ ስቴትስ ንሃገራት ኣፍሪካ እትህቦ ዕድል ነፃ ቐረፅ ብዝበለፀ ተረባሕቲ ንክኾና ሓገዝ ከምእትህብ ምንስቴር ንግዲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣፍሊጠን።ኣብ ኢትዮጵያ መዋእል ንምፍሳስ ንዝደልዩ ኩባኒያታት ኣሜሪካ ንምሕጋዝ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፅሕፈት ንግዲ ከም እትኸፍት እውን ሓቢረን ኣለዋ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክልተ ማዕልታት ዑደት ዘካየዳ ምንስቴር ንግዲ ዩናይትድ ስቴትስ ፔኒ ፕሪቲስከርን ኣባል ኮንግረስ ኬረን ባስን ሃገረን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ንግዲ ዝዓብየሉ ኩነታት ንምምችቻው ምስ ሰበስልጣን መንግስትን ናይ ኣሜሪካዊያ ናይ ውልቂ ኩባኒያታትን ዝርርብ ምክያደን ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢረን።

ኣብ 2000 ኣ/ፈ ብናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኮንግረስ ዝቐደቐን ሃገራት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ ዘርምርትኦ ዝተፈላለዩ ፍሪያት ካብ ቐረፅ ነፃ ናብ ኣሜሪካ ከእትዋ ዝፈቐደን ናይ ኣፍሪካ ናይ ዕብየትን ተረባሓይነትን ሕጊ /ኣጎኣ/ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ትኹረት ዝተውሃቦ ነይሩ።
ናይዚ ዕድል እዚ ተረባሕቲ ዝኾና ዘለዋ ሃገራት ውሑዳት፣እቲ ዕደል ብምጥቓም ናብ ኣሜሪካ ይኣቲ ዘሎ 86 ሚእታዊ ምህርቲ ድማ ካብ ክልተን ሰለስተን ሃገራት ይልኣኽ ዘሎ ነዳዲ እዩ።
መብዛሕቲአን ሃገራት ንናይ ኣሜሪካ ሰፊሕ ዕዳጋ ሰይሩ ዝኣቲ ፍሪያት ክልእኻ ኣይክኣላን።ምንስቴር ንግዲ ፔኒ እዚ ክለወጥ ከምዘለዎ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ተዛሪበን።
ሃገራት እውን እንተኾና ካብ ኣጎዋ ዝረኸብኦ ውፅኢት እናገምገማ ቀፃሊ ትልሚ እናዳለዋ እየን ክብላ ንናይ ኢትዮጵያ ከም ኣብነት ተቒሰን።

ኣብ 2013 ኣ/ፈ ብኣጎዋ ኣቢሉ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተወ ዋጋ ምህርቲ 26.8 ቢሊዮን ዶላር እንተኾነ እውን ብንፅፅር ብፅሒት ኢትዮጵያ 18 ሚሊዮን ዶላር ብምዃን ዝንኣሰ እዩ ኢለን።ናይ ምዕባይ ዓቕሙ ግን ዝለዓለ እዩ ኢለን።ኢትዮጵያ ሃገራዊ ዝኾነ ናይ ኣጎዋ ስትራተጂ ንምሕንፃፅ ትወስዶ ንዘላ ስጉምቲ ብምንዳቕ ‘’እቲ ስትራተጂ ኢትዮጵያ ብኣጎዋ ኣቢላ ናብ ኣሜሪካ እትልእኾም ምህርትታት ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር ንምብፃሕ ዝዓለመ እዩ’’ኢለን።

ዕብየት ቁጠባ ኢትዮጵያ ኩባኒያታት ኣሜሪካ ገንዘበን ንምፍሳስ ድልየት ከሕድራ ከምዝገበረ ዝሓበራ እተን ምንስቴር እዞም ኩባኒያታት ናብ ኣፍሪካ ንኽመፁ ካብ ዝሕገዙሎም መንገዲታት ሓደ ኣሜሪካ እተጣይሾም ጉጅለታት ኣገልግሎት ንግዲ ምዃኑ ተዛሪበን።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዝርከቡ ኣብያተ ፅሕፈት ብምጥንኻር ንፈለማ እዋን ኣብ ኣንጎላ፣ታንዛኒያ፣ኣብ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብያተ ፅሕፈት ክኸፍቱ እዮም ምስ በላ ኣብ ዝቕፅል ቀረባ እዋን ተመሳሳሊ ቤት ፅሕፈት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽፈት እዩ ክብላ ዕላዊ ገይረን።
XS
SM
MD
LG