ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንፅንፈኛ መልእኽታት ዝገትእ ዓውደ-መፅናዕቲ ኣዲሳበባ


Brigadier General Wayne W. Grigsby Jr
Brigadier General Wayne W. Grigsby Jr
ፅንፈኛ መልእኽቲታት ምግታእ ዝዕላምኡ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሓሙሽተ መዓልታት ተካይዱ።ኣል-ሸባብን ኣል-ቃይዳን ተጠቂሶም ኣብ‘ቲ ሓባራዊ ኣኼባ ይብል ኣቀባሊና እስክንድር ፍሬው።

ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቀነየ ኣኼባ ብምትሕብባር USAID፣ ኢትዮዽያ፣ናይ ኣሜሪካ ትካል ምንካይ ስግኣት፣ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካን ስትራተጂካዊ መፅናዕቲ ርሑቅ ምብራቅን ደቡብ እስያን’ዮም።

ቀንዲ ትኹረት‘ቲ ዓውደ-ፅንዓት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንፅንፋዊ መልእኽታት ምግታእ ዝብልን ወከልቲ 14 ሃገራትን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ተሳቲፎም።

ዶ/ር ቤንጃሚን ኒክልስ ኣብ ኣፍሪቃ ኪኢላ ተሳገርቲ ገበናት፣ትርጉም ፅንፈኛ መልእኽታት እንታይ ምኻኑ ክገልፁ ከለው፣ቀርኒ ኣፍሪቃ‘ውን ኣብ ትሕቲ ስግኣት ፅንፈኛ መልእኽታት‘ዩ ይብሉ።ንሶም ወሲኾም”ተሳተፍቲ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ መልካዓት ፅንፈኛነትን ህውከተኛ ፅንፈኛነትን ተዘራሪቦም‘ዮም።ኣብ‘ዚ ዞባ‘ዚ ብዛዕባ ዘለው ዝተፈላለዩ ጉጅለታት‘ውን ኣልዒልና ኢና።ብሓፈሽኡ ዓለም-ለኸ ብድሆ ከምዝኾነ ተረዳዲእና” ኢሎም።

ብመንፅር ፅንፈኛነትን ህውከትን ቀዲሞም ዝስርዑ ኣል-ቃይዳን ኣል-ሸባብን‘ዮም።ዶ/ር ቤንጃሚን ክልቲኦም ጉጅለታት ናይ ፅልኣትን ህውከትን መልእኽታት የማሓላልፉ ከምዝፀንሑ ጠቂሶም።

ኣብ‘ቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ወከልቲ ሃገራትን ትካላትን፣መልሰ-ግብሪ መልእኽቲ ፅንፈኛታት እንታይ ክኸውን ከምዝግባእ‘ውን ተማኺሮም‘ዮም ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG