ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝፍፀም ጭፍጨፋ ካብ ሱሩ ንምፍታሕ ክስራሕ እዩ' ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይፍፀም ዘሎ ጭፍጨፋ መንግስቲ ነቲ ፀገም ካብ ሱሩ ንምፍታሕ ኣድላዩን ብዝተዋደደን ሓይሊ ከምዝሰርሕ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተክል በኩጂ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ናብ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውግሐ ብዑጡቓት ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ልዕሊ 100 ንፁሃን ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ቀዳማይ ምንስተር ኣብይ ኣሕመድ ሎማዕንቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዝፅሓፉዎ መልእኽቲ ኣብ መተከል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይፍፀም ዘሎ ጭፍጨፋ ኢሰብኣዊ ተግባር ስለዝኾነ ኣዚዩከምዘሕዘኖም ገሊፆም።

ነቲ ፀገም ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ዝተዋደደ ስራሕ ክስራሕ ከምዝተገበረ ሓቢሮም ኣለው።

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽን ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ብዝለዓለ ደረጃ እናተዳኸመ ምኻዱ ሓቢሩ ኣሎ።

ናይቲ ኮሚሽን ኮሚሽነር ዶክተር ዳንኤል በቀለ ሎማዕንቲ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ ከምዚ ኢሎም።

‘’ኣብ ቀረባ ዝወረደ ጉድኣት ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበሩ ፍልይ መጠኑ ዝለዓለ ምዃኑ፣ክሳብ ሕዚ ብዘለና ግምት እንተወሓደ ልዕሊ 100 ሰባት ብዘሰቅቕ ጭካነን ግፍዕን ተቐቲሎም ኣለው።ብዙሓት ናይ ኣካል ጉድኣት ወሪዱዎም ኣሎ።ኣባይቶም ንብረቶም ብሓዊ ነዲዱ ዓኒዩ እዩ’’ ኢሎም።

እቲ ናይ ትማሊ መጥቓዕቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን ኩሉ ዓይነት ሰብ ጉድኣት ወሪዱዎ እዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢኩ እናሃለው በዝሒ በቲ መጥቓዕቲ ዝተቐትሉ እናተፃረየ ምዃኑ ዝገለፁ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣቶ መለስ በየነ ኣብቲ መጥቓዕቲ ኢዶም ከምዘሎ ዝተጠርጠሩ ሸውዓት ኣባላት መሪሕነት ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ሓቢሮም።

ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG