ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ አልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ሰለስተ ዕጡቓት አል ሸባብ ምቕታሉ ኣፍሪኮም ገሊጹ

  • ቪኦኤ ዜና
  • ገብረ ገብረመድህን

ፎቶ ፋይል

ሰብ ኣልቦ ነፋሪት/ድሮን/ ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ትማሊ ሶሉስ ብዝፈፀመቶ መጥቓዕቲ ሰለስተ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ከምዝተቐትሉ ናይ ኣሜርካ ኣፍሪቃ እዚ(ኣፍሪኮም) ገሊፁ።

ኣብቲ ካብ ሞቓድሾ 75 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብዝርከብ ቦታ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ድሮን ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ጉድኣት ከምዘይበፅሐ እቲ ወታደራዊ መግለፂ ይሕብር።

ብመሰረት ኣፍሪኮም ኣባላት ኣል-ሸባብ ወታደራት ሕብረት ኣፍሪቃ ይንቀሳቐስሉ ዝነበረ ከባቢ መጥቓዕቲ ንምፍፃም ይዳለው ነይሮም ይብል።

ብኻልእ ናይ ሶማል ዜና ንኢትዮጵያ ተመሓላሊፉ ዝተወሃበ ኣባል መሪሕነት ግንባር ሓርነት ኦጋዴን/ONLF/ ኣሸባሪን ነቲ ዞባ ስግኣትን ነይሩ ክብል መንግስቲ ሶማል ተኸላኺሉ።

ሓደ ካብ መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ንኢትዮጵያ ተመሓላሊፉ ምውሃቡ ስግኣት ፀጥታ ንምውጋድ ዝተወስደ ሕጋዊ ስጉምቲ እዩ ኢሉዎ’ሎ።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኦብነግ ዓብዲኻሪም ሸኽ ሙሴ ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ይነብር ከምዝነበረን 23 ነሓሰ 2017ዓ.ም. ብሓይልታት ፀጥታ ሶማል ኣብ ቁፅፅር ድሕሪ ምውዓሉ ንኢትዮጵያ ተመሓላሊፉ ተዋሂቡ።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG