ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሰፋሕቲ ቦታታት ዒራቕን ሶርያን ተቕጻጺሩ ዝጸንሐ ዳዕሽ፡ ናብ ኣፍሪቃ ምስፋሕ ዓሊሙ ከይህሉ የሻቕል


ንባዕሉ እስላማዊ ግዝኣት ኢሉ ብምጽዋዕ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝፍለጥ ዳዕሽ፡ ቀጻላይ ዒላምኡ፡ ኣፍሪቃ ክትከውን ከምትኽእል ብዙሓት ይሻቐሉ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝተመደበ ናይ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኮማንድ፡ ዳዕሽ ናብ ኣፍሪቃ ዝያዳ ከየሳፍሕ ይከላኸል ኣሎ።

መንግስታት ኣፍሪቃ ግን፡ እቲ ናይ ኣመሪካ ሓገዝ፡ ናብ ወተሃደራዊ ምቁጽጽጻር ከይሰግር ይሰግኡ። ገለ ዲፕሎማት`ውን፡ እቲ ኣቀራርባ ወተሃደራዊ ኮማንድ ኣመሪካ ብዛዕባ ዘድምዖ ነገር ይጠራጠሩ።

በዓልስልጣን ኣመሪካ ኮማንድ ኣፍሪኣ ራሞን ሎፐዝ፡ መንእሰያት ኣወዳት ኣፍሪቃ ንጽንፋውያን ሕዛእቲ ክኾኑ ይኽእሉ`ዮም ይብል። “ መንእሰያት ኣፍሪቃ ኣማራጽታት ኣብ ዝስእንሉ እዋን፡ ሓደ ጽንፋዊ ጉጅለ መጺኡ፡ ሞተር-ብሽክለታን መርዓትን ከበርክተልካ ኸሎ፡ እንታይ ኢኻ ክትገብር? ስድራ-ቤትካ እናጠመዩ ክትሕግዞም ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋን፡ ሓደ ሰብ፡ ካልእ ምርጫ ክህበካ ኸሎ እንታይ ኢኻ ትገብር?”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG