ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣፍሪቃውያንን ኣፍሪቃዊ ትውልዲ ዘለዎም ኣሜሪካዊያንን ፖለቲካዊ ተሳትፍኦም እናወሰኸ ይኸይድ’ሎ" ሰብ ሙያ ተሳተፎ ምርጫ


ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ብክፍሊ ኣፍሪካ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ሰብ ሙያ ተሳተፎ ምርጫ ማሕበረሰባት ከምዝሓበሩዎ ኣፍሪካዊያንን ካልኦትን ኣብ መስርሕ ፖለቲካ ዩናይትድ ዝገብሩዎ ተሳትፎ ንባዕሎምን ንዕውት መፃኢ ህውይት ደቆምን ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ልዕሊ 1.2 ሚሊዮን ካብ ኣፍሪካ ዝመፁ ነበርትን ዜጋታትን ኣለው።ናይቲ ማሕበረሰብ መራሕቲ ግን ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝተወልዱ ስለ ዘይሓውስ እቲ ኣሃዝ ካብኡ ንላዕሊ እዩ ይብሉ።

ኣፍሪካዊያን፣ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያንን ኣብ ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስ ዘለዎም ተሳትፎ ብዝምልከት ኣብ ትካል ቤት ምኽሪ ፀለምቲ ኣሜሪካዊያን ብዓልቲ ሙያ መፅናዕትን ፖሊሲን ዶ/ር መና ደምሴ "ንሕና 4 ሚእታዊ ብፅሒት ኣለና።ካብ ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን እውን 4 ሚእታዊ ኢና" ትብል።

ዶ/ር መና ብተወሳኺ ካብ 2008 ክሳብ 2012 ኣብ ዘሎ እዋን ካብ 130 ሚሊዮን ህዝቢ ልዕሊ 32 ሚሊዮን ሰባት ኣድሚፆም እዮም።እዚ ዓብዪ ታሪካዊ ፍፃመ እዩ።ካብዚ ንላዕሊ ድማ ዝሓዝናዮም ፖሊስታት እነረድአሉ መንገዲ እውን ከምዘሎ ትገልጽ።

ኣፍሪካዊያን ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን መስርሓት ኣብ ዝገብሩዎ ተሳትፎ ካብ ከባቢያ ኣብያተ ምኽሪ ጀሚሩ ክሳብ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ተወዲቦም ምስታፍ ጀሚሮም ኣለው።ብዙሕ ዝተርፍ ነገር ግን ኣሎ።

ብትውልዲ ጋናዊ ዝኾኑ ኒ ኣኩቴ ንሓደ ጉጅለ ኣሜሪካዊ ኣፍሪካዊ ይመርሑ።ድምፂ ካብ ምሃብ ብዝዘለለ ፖሊስትታ ዝተወደቡ ፖለቲካዊን ማሕበራዊ ፍትሕን ብምውፃእ ድምፅኻ ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።

ኣብ እዋን ምርጫ ጥራሕ ብፖለቲካ ምውዳብ ከይኮነስ ኣብ ካልእ እዋን ቁጠባዊ ዓቕሚ ኣብ ምህናፅን ንኹሉ ዝሓቖፈ ፖለቲካዊ ስልቲ ኣብ ምሕንፃፅን እቲ ጉዳይ ንምርዳእ ንኣፍሪካዊያን ይኹን ንካልኦት ኣሜሪካዊያን ወሳኒ ዜግነታዊ ተሳትፎ እዩ።

ሚካኤል እንዳለ ክኢላ ቴክኖሎጂ እዩ።ኣብ ቀዳማይ ወፍሪ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ባራክ ኦባማ ‘’ኢትዮጵያዊያን ንኦባማ’’ ዝተብሃለ ጉጅለ መስሪቶም ገንዘብን ካልኦት ደገፍን ኣተኣኻኺቦም እዮም ይብል።ኣብ ዝነብርሉ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ምስታፍ ዜግነታዊ ግብኡ ክኸውን ኣለዎ ይብል ብምውሳኽ።

ሕገ መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ካሊእ ሃገር ዝተወልዱን ዜግነት ዩናይትድ ስቴትስ ዝረኸቡን ሰባት ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ዜግነት ካብ ንፕሬዝዳንትነት ወፃኢ ክምረፁ መሰል ሂቡዎም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG