ኣደ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ንኮሳዛና ድላሚኒ ዙማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ማሕበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዓብይ ኣቓልቦ ይከታተልኦ ከምዘለዋ ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ 02 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ሕብረት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ኩነታት ክግታእን ኩሎም ወገናት ድማ ኣብ ልዝብ ክጽመዱን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ገለ ክልላት ኢትዮጵያ ናይ ሕርሻ ቦታታት ንልምዓታዊ መደባት ድሕሪ ምምቕርሖም ተቓውሞ ምጅማሩ ዝጠቐሰ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ማሕበረ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ከም መቕተልቲ ግዝያዊ ምምዝባል ወሃብቲ ኣገልግሎትን ሳሕቲ ድማ ምቁራጽ ኣገልግሎታት ቴለኮሚዩኒኬሽን ርክብ ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።
ዶክተር ድላሚኒ ዙማ በቲ ዝተፈረ ኩነታት ንስድራቤታት እቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ዝተሰምዐን ሓዘን ብምግላጽ ነቶም ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝወረዶም ድማ ቁልጡፍ ምሕዋይ ተመን የን።
እቲ ንዶክተር ድላሚኒ ዙማ ጠቒሱ ዝወጸ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ብዝለዓለ ደረጃ ክግታእን ህድኣት ክሰፍንን ድማ ጸዊዑሎ።
ምእንቲ ሰላምን ነባሪ ፍታሕን ድማ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ኣብ ጉዳይ ጠንቂ ተቓውሞ ኣብ ልዝብ ክጽመዱ ከምዝግባእ ጠቒሰን።
ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዓንዲ ደሞክራስያዊ ባህልን መምርሒታቶምን ንዝኾኑ ምኽባር ሕግታትን ሰላማዊ ተቓውሞታትን ከምዝድግፍ ድማ ደጊሙ ምርግጋጹ እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ብተወሳኺ ሓቢሩ።