ዋሽንግተን —
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሱዳን ጎናዊ መንግስቲ ምምስራት ናብ ተወሳኺ ሕንፍሽፍሽ ዘእቱ`ዩ ክብል ኮኒኑ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሓይልታት ወሃብቲ ህጹጽ ደገፍን መሻርኽቶምን ኣብ ሱዳን ሓደ ጎናዊ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሞም`ዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ናይ ሎሚ ረቡዕ መግለጺኡ፡ ከምኡ ዓይነት ኣካይዳ፡ ነታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ዝመቓቕል ሓደጋ`ዩ ክብል ምንጻጉ፡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ`ሎ።
ኣብቲ ተቓወምቲ ዝቆጻጸርዎ ከባቢ “ ናይ ሓድነትን ሰላምን መንግስቲ ክነቕውም ኢና” ዝበሉ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ድጋፍን መሻርኽቶምን፡ ኣብ ደሞክራሲን ማዕርነትን ዝተመስረተ መንግስቲ ክነቕውም ኢና ዝብል ሰነድ ፈሪሞም ኣለዉ።
ኣብ መጀመርያ`ዚ ወርሒ`ውን ሓደ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ክነቕውም ኢና ኢሎም ኔሮም`ዮም። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነዚ ሓሳብ`ዚ ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ብምሕባር፡ ካልኦት ኣባል ሃገራት`ውን ክኹንንኦ ጸዊዑ`ሎ።
ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ፡ እቲ ብሓይልታት ህጹጽ ድጋፍ ዝስማዕ ዘሎ ተደራቢ መንግስቲ ናይ ምቛም ሓሳብ፡ ንተስፋታት ሱዳናውያን ዘጸልምት `ዩ ክብል ነጺግዎ`ሎ።
ቅጥዒ