ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣፍሪቃ ምምስራት ጎናዊ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ሓደጋ የጠንቅቕ


ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ - ኣዲስ ኣበባ(ፋይል)
ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ - ኣዲስ ኣበባ(ፋይል)

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሱዳን ጎናዊ መንግስቲ ምምስራት ናብ ተወሳኺ ሕንፍሽፍሽ ዘእቱ`ዩ ክብል ኮኒኑ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሓይልታት ወሃብቲ ህጹጽ ደገፍን መሻርኽቶምን ኣብ ሱዳን ሓደ ጎናዊ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሞም`ዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ናይ ሎሚ ረቡዕ መግለጺኡ፡ ከምኡ ዓይነት ኣካይዳ፡ ነታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ዝመቓቕል ሓደጋ`ዩ ክብል ምንጻጉ፡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ`ሎ።

ኣብቲ ተቓወምቲ ዝቆጻጸርዎ ከባቢ “ ናይ ሓድነትን ሰላምን መንግስቲ ክነቕውም ኢና” ዝበሉ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ድጋፍን መሻርኽቶምን፡ ኣብ ደሞክራሲን ማዕርነትን ዝተመስረተ መንግስቲ ክነቕውም ኢና ዝብል ሰነድ ፈሪሞም ኣለዉ።

ኣብ መጀመርያ`ዚ ወርሒ`ውን ሓደ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ክነቕውም ኢና ኢሎም ኔሮም`ዮም። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነዚ ሓሳብ`ዚ ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ብምሕባር፡ ካልኦት ኣባል ሃገራት`ውን ክኹንንኦ ጸዊዑ`ሎ።

ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ፡ እቲ ብሓይልታት ህጹጽ ድጋፍ ዝስማዕ ዘሎ ተደራቢ መንግስቲ ናይ ምቛም ሓሳብ፡ ንተስፋታት ሱዳናውያን ዘጸልምት `ዩ ክብል ነጺግዎ`ሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG