ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ


 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ
ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ

ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ።መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብቲ ጉባኤ ማእለያ ምስ ዘይብሎም ፈተናታት እታ ኣህጉር ፊት ንፊት ክገጥሙ እዮም።

ኣብ ውሽጢ እዚ ዝቕፅል ሓደ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣማእቲ ኣኼባታት ክካየዱ እዮም።ዕላዊ መሪሕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ‘’ምሕያልን ምምዕባልን ደቂ ኣንስትዮ’’ ዝብል ኮይኑ ግጥም ኣንፃር ኢቦላን ምርጫታት 2015 ኣ/ፈ ዝብሉ ኣጀንዳታት ክዕብልሉ ትፅቢት ይግበር።

ዛዕባታት ሰለምን ፀጥታን ከም ኩልሻዕ ቅድሚ ኩሉ ዝስራዕ ኣጀንዳ ክኸውን እዩ። ናይ ናይጀሪያ ኣኽራሪ ቦኮ ሓራም ካብኦም ሓደ እዩ።

ምኽትል ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኤራስቱስ ዌንቻ እቲ ውድብ ተወሳኺ ስጉምቲ ንኽወስድ ናይቲ ዞባ ሃገራት ኣብ ዘቕርብኦ ሕቶ ዝምስረት እዩ ኢሎም።

‘’ብቦኮ ሓራም ይፍፀሙ ዘለው ዘስካሕክሑ ገበናት ክንርኢ ከለናን እቲ ቅልውላው ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይጀሪያ ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ምስ እንዕዘብን ጣልቃ ምእታው ዝዕድም ሃዋህው እዩ’’ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ሕቶ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ግን ኣብ እንግድዓ እዘን ሃገራት እዚአን ዝወድቕ እዩ’’ኢሎም።በዚ ምኽንያት እዚሕብረት ኣፍሪካ ክዝተየሉ ዝግባእ ጉዳይ ስለዝኾነ ሕቶ እንተቐሪቡ ብዘይጥርጥር ሕብረት ኣፍሪካ ጣልቃ ክኣቲ እዩ ኢሎም።

ኣብ ጎናዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ግጭት ደቡብ ሱዳን ዝጠመተ ፍሉይ ዞባዊ ኣኼባ ክሳለጥ እዩ።ደማዊ ግጭት እታ ሃገር ጠጠው ንምባል ኣይተኽኣለን።ነቲ ልዝብ ክመርሖ ዝፀንሐ ኢጋድ ሪፖርት ከምዘቕርብን ኣብቲ ፀብፃብ ብምምስራት ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ተወሳኺ ስጉምትታ ከምዝውሰዱን ተፈሊጡ’ሎ።

ብኻሊእ ዜና ናይ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊካ ኮንጎ ፕሬዝዳንት ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ኣብዝፈተንሉ እዋን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዝተወልዐሉ፣እታ ኣህጉር ኣብዚ ዓመቲ እዚ ልዕሊ 10 ምርጫታት ንምክያድ ኣብ እትቀራረበሉን ዘላ እዋን ምርጫታት ሰላማዊ ክኾኑ ንምርግጋፅ ሕብረት ኣፍሪካ ኢዱ ከምዝሓውስ ምኽትል ኮሚሽነር ዌንቻ ይገልፁ።

እታ ኣህጉር ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ኣውሮፓዊያን ኣቆፃፅራ ዘጋጠማ ከቢድ ቅልውላው ለበዳ ኢቦላ ዝተውሃበ መልሲ እውን ኣገዳሲ ኣጀንዳ ክኸውን እዩ ከም መግለፂ ዌንቻ።

ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዝጠቓለል መራሕቲ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ዓርቢን ቀዳምን ምስተኣከቡ እዩ ክኸውን።

XS
SM
MD
LG