ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ


ሕብረት ኣፍሪካ
ሕብረት ኣፍሪካ
ኣብቲ ሎማዕንቲ ሓሙስ ዝተጀመረ ጉብኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መደረ ዘስምዑ ተሰናባቲ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾኑ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ኣፍሪካ ዝተኸሰቱ ሓደሽቲ ግጭታት ኣዝዮም ዘተሓሳስቡ ክብሉ ገሊፆም።

ናይ ሓደ ዓመት ናይ ኣቦ መንበርነት ግዝየይ ፈላማይ ተግባር ናይ ቀደም ውድብ ሓደነት ኣፍሪካ ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪካ መበል 50 ዓመት ናይ ወርቂ እዮቤል በዓል ኣከባብራ እዩ ምስበሉ ኢትዮጵያ ተዘዋዋሪ ናይ ኣደመንበርነት ሓላፊነት ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ምሓዛ ዘሐጉስ ምግጥጣም እዩ ኢሎም።

ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን ኣህጉርና ቀንዲ ትኹረትና ኮይኑ ፀኒሑ ምስበሉ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ዘተሓሳስቡ ኩነታት ከምዘጋጠሙ ብምሕባር ቅልውላው ደቡብ ሱዳንን ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ ጠቒሶም።
እዘን ክልተ ኣሓት ሃገራት ካብ ዝኣተውኦ ዓዘቕቲ ንምውፃእ ህፁፅ መፍትሕታት ክንረክብ ይግባእ ምስበሉ እንተዘይኮይኑ ኢሎም ’’ንሰላምን ፀጥታን እዚ ዞባ ብሓፈሻ ድማ ንምሉእ ኣህጉርና ከቢድ ሳሕቤን ክህልዎ እዩ’’ኢሎም።

ብፍላይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኩነት ብናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ናይ ልምዓት በይነ መንግስታት /ኢጋድ/ ኣደራዳሪነት ኣብ ምክያድ ዘሎ ፃዕሪ ንኽሰምር ክልቲኦም ወገናት ክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም።

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እውን ደገፉ ንኽገብር ብምውሳኽ ፀዊዖም።
ኣብ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ምስልምናን ክርቲያንን ህውከት ንከይጋፋሕ ህፁፅ ስጉምቲ ክውሰድ ኣልዎ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብምስዓብ።

ሕብረት ኣፍሪካ ዝቕፅል ቀዳም ኣብ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ ንዝተዋፈረ ብኣፍሪካ ንዝምራሕ ዓቃቢ ሰላም ዝውዕል ገንዘብ ንምትእኽኻብ ናይ ለገስቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከተኣናግድ እዩ።

ቀዳማ ምንስቴር ሃይለማሪያም ያለማሪያም ደሳለኝ ናይ ኣቦመንበርነት ስልጣኖም ንናይ ሞሪታኒያ ፕሬዝዳንት መሓመድ ኦውልድ ኣብድል ዓዚዝ ኣረኪቦም ኣለው።
እቲ ጉባኤ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ሰላማዊ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ንዘካየደት ማዳጋስካር እውን ተቐቢሉዋ’ሎ።
XS
SM
MD
LG