ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ህልቂት ስደተኛታት ላምፐዱሳ‘ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ትማሊ ተዘኪሩ ውዒሉ


የአፍሪካ ሕብረት
የአፍሪካ ሕብረት
መራሕቲ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 3 ጥቅምቲ ኣ/ፈ ኣብ ማእኸላይ ማያት ላምፐዱሳ ጠሊቖም ዝሃለቁ ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ንምዝካር 3 ሕዳር ማለት ትማሊ ሰንበት መዓልቲ ሓዘን ኮይና ውዒላ።።

እቶም መራሕቲ መንግስታትን ሃገራትን እቲ ዘሕዝን ፍፃመ ናይታ ኣህጉር ናይ ሓዘን ማዕልቲ ንክኸውን ውሳነ ዘሕለፉ ኣብ ዝሓለፈ 12 ጥቅምቲ ኣ/ፈ ኣብዘካየድዎ ህፁፅ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እዩ።

እቲ ዝኽሪ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ምስ ስድራ እቶም ግዳያት ዘለወን ሓድነትን ሕብረትን ከምኡ’ውን እቲ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ዘሕዝን ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ክብርን ጉድኣት እናብፅሐ ንሰላም፣ፀጥታን ምርግጋእን የስግእ ከምዘሎ ኣፍሪካ ዘለዋ ሻቐሎት ንምግላፅ ዘጥቓለለ እዩ።

እቲ ኣህጉራዊ ዝኽሪ ንብልፅግናን ሰላምን ኣፍሪካ ወሰንቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ መናእሰይ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣፍሪካዊያን ይበፅሕ ዘሎ ፀገም ብዘለቕነት ንምፍታሕ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዘድሊ ከም መዘኻኸርን ፃውዒትን ከገልግል እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ንዝኽሪ ግዳያት ላምፐዱሳ ትማሊ ሰንበት ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ኣብዝርከቡ ናይ ኢትዮጵያ ኤምባስታትን ኣብያተ ፅሕፈት ቆንሱላን ባንዴራ ብፍርቂ ትሒታ እናምበልበለት ምውዓላ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዝሓለፈ ረቡዕ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ እዩ።
XS
SM
MD
LG