ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣይትሓባበርን ኢሉ


ሕብረት ኣፍሪካ ነቶም ዝቐረቡ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዛት ዕሽሽ ንኽብልዎም ንኣባላቱ ፀዊዑ

ሕብረት ኣፍሪካ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ንመራሒ ሊብያ ሞኣመር ጋዳፊ ተኣሲሮም ንክቐርቡ ምስዘሕለፎ ዉሳነ ከምዘይተሓባበር ኣፍሊጡ።ኣብ ልዕሊ መራሒ ሊብያ ዝቐረበ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ነቲ ጎንፂ ፍታሕ ንምርካብ ንዘካይዶ ፃዕሪ ኣዚዩ ከምዘተሓላልኾ’ውን ይገልፅ።

ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪካ ዢን ፒንግ እቲ ቤት ፍርዲ ብምዕራባዊያን ሓያላት ኣብ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ዝፍፀሙ ገበናት ዕሽሽ ብምብል ኣብ ኣፍሪካ ጥራሕ ዝተፈፀሙ ገበናት ምክትታሉ ኣድላዊ መርገፂ ኣለዎ ይብሉ።

ጋምቢያዊ ዳኛ ፋቶ ቤንሰውዳ ምኽትል ዓቃቢ ሕጊ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ /ICC/ እየን።ንሰን ኣፍሪካ ኣንፃር ኣይ.ሲ.ሲ እተቕርቦ መከራኸሪ ነጥቢ ክንደይ ኣፍሪካዊያን ናብቲ ቤት ፍርዲ ይመፁ ከምዘለው ናብ ጎኒ ዝገደፈ እዩ ይብላ።

ብፍላይ ድማ ከም ኣፍሪካዊት ጛል ኣንስተይትን ዝበዝሑ እቶም ጎንፅታት ኣብ ኣፍሪካ ይፍፀሙ ከምዘልው ዝፈልጥን ሰብ በቲ ኣበሃህላ ከምዝሓዝና ይገልፃ።

ነቶም ዝቐረቡ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዛት ዕሽሽ ንኽብልዎም ንኣባላቱ ዝፀውዐ ሕብረት ኣፍሪካ ሕዚ’ውን መብዛሕቲኦም መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብቲ ቤት ፍርዲ እምነት ከምዘይብሎም ዘርኢ እዩ።

ካብ 53 ሃገራት ኣፍሪካ እተን 31 ሃገራት እቲ ቤት ፍርዲ ንኽጣየሽ ዝፈረማ እንትኾነ ኩለን ንናይ ጋዳፊ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣይንቕበልን እንተ ኢለን ድማ ስራሕ እቲ ቤት ፍርዲ ክድርቶ እዩ።

ምኽትል ዓቃቢ ሕጊ ቤንሰውዳ እቲ ቤት ፍርዲ ስርሑ ንኸይሰርሕ ምኽልካል ማለት ንናይ ስልጣን ብልሽውና ምሕላቕ ማለት እዩ ይብላ።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣይ.ሲ.ሲ ሊዊስ ሜረኖ ኦካምፖ ኣብ ልዕሊ ሞኣመር ጋዳፊ ምርመራ ንኽካየድ ዝወሰነ እቲ ቤት ፍርዲ ኣይኮነን ይብሉ።እቲ ውሳነ ናይጀሪያ፡ጋቦንን ደቡብ ኣፍሪካን ብኣባልነት ዝርከባሉ ምሉእ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታትን ከምዝኾነ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG