ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሙሳ ፋቂ ብዘይተወዳዳሪ ንኣቦመንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዳግም ምውድዳሮም ተቓውሞ ኣልዒሉ


ዓለም ኣብ ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ኣብ ዘቕለበትሉ ኣብ ሕዚ እዋን ካሊእ ኣገዳሲ ምርጫ እሞ ድማ ንቀንዲ ሓላፍነት መላእ ኣፍሪካ ምስሕሓብ ኣብ ምፍጣር ይርከብ።ቻዳዊ ፖለቲከኛ ሙሳ ፋቂ መሓማት ብዘይ ተቓዋሚ ንዳግመ ምርጫ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ይወዳደሩ ኣለው። ነቐፍቲ እቲ ውድድር ዴሞክራሲያዊ ኣይኮነን ብዝብል ሕፁይ ንምዃን ዝተቐመጠ ገደብ መዓልቲ ካብ ሕዳር ክናዋሕ ይፅውዑ ኣለው።

ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማሓማት ብዘይተነሓናሒ ንዳግመ ምርጫ ይወዳደሩ ኣለው።

ብዘይተነሓናሒ ዝካየድ ውድድር ንተዓዘብቲ 55 ኣባል ሃገራት ዘለዎ ሕብረት ኣፍሪካ ኣጉሂዩ ኣሎ። ድልየት 1.3 ቢሊዮን ህዝቢ ክውክል ኣይክኣለን ይብሉ እዞም ተዓዘብቲ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝመድብሩ ውዳበ ዝሰርሑ ክኢላታት ተወሰኽቲ ሕፁያት ንክቐርቡ እቲ ምርጫ እንተወሓደ ብሽዱስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ሎቢ የካይዱ ኣለው።

ብጥምረት ደገፍቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝቐረበ ጥርዓን ዝፅሓፈ ሳርፎ ኣበብረስ ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ ክኸውን ዝገበረ ሰለስተ ሕፁያት ጥራሕ ኣብ ዝቐረቡሉ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ከምዝነበረ ይሕብር።

ንሱ ‘’ከመይ ገይሩ እዩ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፣ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ተወዳዳራይ ጥራሕ ክህልወና ዝኽእል?’’ ምስ በለ ‘’ሰለስተ እኹላት ኣይነበሩን ንብል እንተነትርና ሓደ በይኑ ከመይ እኹል ክኸውን ይኽእል?’’ ክብል ወሲኹ ይሓትት።

ኣብ መፅናዕትታት ፀጥታ ተንታኒት ዝኾነት ሊየስል ሉ-ቫድራን ብህዝቢ ከይኮነስ ብመራሕቲ ኣፍሪካ ዝካየድ እዚ ምርጫ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ትብል።

ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ነታ ክፍለ ዓለም ክውክል ኣለዎ ዝበለት ንሳ ‘’ኣፍሪካ ምስ ዩናይትድ ስቴትስ፣ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ፣ምስ ቻይና፣ምስ ሕቡራት መንግስታት ዘለዋ ርክብ ዝውክል እዩ።ብዙሕ ሓላፍነት እዩ ዘለዎ’’ በለት።

ነዚ እውን እዩ ነታ ክፍለ ዓለም ብሓቂ ዝውክል መራሒ የድልያ ዝብሃል ዘሎ ይብል ናይ ፓን ኣፍሪካን ኣክቲቪስት ዳኒየል ዋምቦኑ።እቲ ምርጫ ንክናዋሕ ዝፅውዕ ፐትሽን እውን ይድግፍ።

ኣብቲ ውድብን ንኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ምምራሕን ዓብይ ናይ ብቕዓት ጉድለት ኣርእዮም እዮም ክብል ብምግላፅ ኣፍሪካዊ መቦቀል ዘለዎም ሰባት ኣብ ዙሪያ ዓለም የጋጥሞም ንዘሎ ፀገማት እውን ክፈትሑ ኣይክኣሉን ኢሉ።’’ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ሰፊሕ ዝኾነ ምጥፍፋእ ፣ብልሽውና፣ ወገናውነት፣ይስምዑ እዮም።ሕብረት ኣፍሪካ ዝተመስረተሉ ዕላማታት ኣብ ምዕዋት ምፍሻሉ ንዓመታት ክንዕዘቦ ዝፀናሕና እዩ ምጥፍፋእ’’ ኢሉ።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ኣማባሳደር ሕብረት ኣፍሪካ ዝነበራ ዝምባባዊት ዲፕሎማት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣነን ክግለላ ምግዳደን እውን ነቐፍቲ ይዛረቡ።

እዞም ነቐፍቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ተፅዕኖ ብፈረንሳይ ይግዝኣ ዝነበራ ሃገራት ከምዝወደቐ ይዛረቡ።ካብ 2002 ኣ\ፈ ጀሚሩ ካብ ሓሙሽተ ኣቦ ወንበራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣርባዕቲኦም ካብ ሃገራት ፍራንኮፎን ዝመፁ እዮም።

‘’ድሕሪ ምብራር ማዳም ኣሪካና ቺሆምቦሪ ኳኦ ፋቂ ማሓማት ፍሹል ምዃኖም ኣነን ትካለይን ክንዛረብ ፀኒሕና ኢና።ንካሊእ ዙር ኣርባዕተ ዓመት ንሕብረት ኣፍሪካ ክመርሕ የብሉን።ለውጢ ንደሊ ኢና።ማዳም ኣሪካና ነዚ ሓላፍነት ንምድዳር ኣመልኪተን ነይረን። ይኹን እምበር እቲ ዘመልከትኦ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ጠፊኡ ኣሎ’’ ይብል ሳርፎ ኣበብረስ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረ ሕብረት ኣፍሪካ ብኣካል ክራኸብ ኣይክኣለን።ምርጫ ክናዋሕ 16,000 ፍሪማ ረኺቡ ኣሎ ይብል ኣበብረስ።እንተድኣ ተፈቒዱ እቲ ምርጫ ናብ ፈለማ 2021 ኣ\ፈ ክናዋሕ እዩ።

XS
SM
MD
LG