ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓሰርተታት ኣሽሓት ስዱዳት ካብ ምጥላቕ ድሒኖም


ካብ ሊቢያ ተላዒሎም ናብ ጥሊያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስዱዳት ካብ ምጥላቕ ምድሓኖም ፀብፃብ ዓለምለኸ ትካል ስዱዳት IOM ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ልዕሊ 3,000 ሰባት ካብ ሰሜን ኣፍሪካ ተላዒሎም ብሜዲትራኒያን ኣቢሎም ናብ ጣሊያን ኣትዮም ኣለው።ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሓደገኛ ጉዕዞ ፈፂሞም ናብ ሲሲሊ በዝሒ ዝኣተው ሰባት 40 ሽሕ በፂሑ’ሎ።

እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብምሉእ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ኣ/ፈ ኣብ ሲሲሊ ምስ ዝኣተው ዳርጋ ማዕረ ኮይኑ’ሎ ይብል IOM።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መብዛሕቲኦም ካብ ሊቢያ ዝተበገሱ 42 ሽሕ ስዱዳት እዮም ኣትዮም።

ኣብ ዝሓለፈ 2013 ቁፅሪ ዝጠለቑ ሰባት 700 ከምዝነበሩን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ግን 17 ጥራሕ ምዃኖምን IOM ሓቢሩ።

ወሃቢት ቃል IOM ክርስቲያን በርቲያም እቲ ናይ 40 ሽሕ ሰባት ናይ ምድሓን ስሪሒት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ሓንቲ ጀልባ ብሓዊ ተባሪዓ ናብ 400 ዝኾኑ ሰባት ጠሊቖም ድሕሪ ምማቶም ብጣሊያን ዝተኣወጀን ሜር ኖስትረም ብዝብል ሽም ዝፅዋዕን ወፍሪ እዩ ኢለን።

ኣብ ዓለምለኸ ማያት ሓዊሱ ኣብ ሜዲትራኒያን ባሕሪ ኣብ ማዕልቲ 24 ሰዓታት፣ኣብ ሰሙን ሸውዓተ ማዕልታት ትሕሊ ዓባይ መርከብ ከምዝተመደበትን ኣድሕን ህይወት እናተቐብሉ የድሕኑዎም ከምዘለውን ሓቢረን።ኣብታ መርከብ ናይ ሕክምና መሳለጥያታትን ንቶም ሰባት ዝሕግዙ ዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታት ን ከምዘለው ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርብን ቀዳምን ዝድሓኑ ልዕሊ ስለስተ ሽሕ ስዱዳት ሶሪያዊያን፣ሞሮኮዊያን፣ግብፃዊያን፣ኤርትራዊያን፣ሱማሊያዊያን፣ናይጀሪያዊያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ትሕሪ ስሃራን ምዃኖም IOM ኣፍሊጡ’ሎ።
XS
SM
MD
LG