ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 650 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል የመን ብዘይ መግብን ማይን ክጥረዙ ይጽበዩ ከምዘሎ ተገሊጹ


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ አደን ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ብዘይ ማይን መግብን ናብ ሃገራቶም ክጥረዙ ይጽበዩ ከምዘለው ተገሊጹ።

መብዛሕትኦም ዝሓሸ ህይወት ንምምራሕ ናብ የመን ከምዝመጹ እንተኾነ ብሰበ ስልጣን የመን ተታሒዞም ኣብ መዳጎኒ ማእከል ብዘይ ማይን መግብ ከምዝርኸቡ ይሕብሩ።

እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር መግን ማይን ምሃብ ከምዘቋረጹ ይሕብሩ።

ካብ ጁቡቲ ከምዝመጸ ዝሕብር ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ኣቐዲሞም ቁሩብ መግቢ ይህብዎም ከምዝነበሩ ድሒሮም ግን መግቢ ምሃብ ከምዘቋረጹን መግቢ እንተዘየሎ ድማ ክሞቱ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ይገልጽ።

ንሱ ብተወሳኺ “ ካልእ መፍትሒ ከናድዩልና እንተዘይኽኢሎም ናብ ሃገርና ይጠርዙና” ኢሉ’ሎ።

የመን ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እታ ዝደኸየት ሃገር ምዃና ብተወሳኺ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝስደዱ ስደተኛታት ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙላ ሃገር እያ።

ብተወሳኺ የመን ካብ 2015 ጀሚራ ኣብ ኩናት ሓድሕድ ተሸሚማ ከምዘላን እቲ ጉዕዞ’ውን ሓደገኛ ምኳኑ ይገልጹ።

ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ካብ የመን ዝጥርዝ ትካል ዝነጥፍ ካልድ ኣልዋኒ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ጥራይ ኣስታት 15,000 ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለያ መፈተሺ ኑቕጣታት እታ ሃገር ከምዝተታሕዙ ይገልጽ።

ንሱ ኣቐዲሙ ብሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ካብ መዝነቱ ተባሪሩ ከምዝነበረን ምክንያቱ ድማ ስደተኛታት ዝጸንሕሉ መዳጎኒ ማእከል ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ክህልዎ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብምንጻጉ ምኳኑ ይፍለጥ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ ስደት ዝርኸብ መሪሕነት እታ ሃገር ንምምላስን ብኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሑቲ እታ ሃገር ንምስዓር ኣብ ኩናት ምህላው ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG