ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኼባ ሊበራል ፓርትታት ኣፍሪካ ማኒፌስቶ ብምውፃእ ተዛዚሙ


ኣብቲ ኣኼባ ካብ ተቓዋምነት ናብ ስልጣን ዝደየቡ ፓርቲታት እውን ተሳቲፎምሉ

ብኢዴፓ ኣሰናዳእነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራኸቡ ሊበራል ፓርትታት ምብራቕን ኣፍሪካን ቀንዲ ኣፍሪካን ነታ ኣህጉር ዝኸውን ረቂቕ ማኒፌቶ ብምድላው ኣኼብኦም ዛዚሞም።

ገሊኦም ተሳተፍቲ ፓርትታት ንነዊሕ ዓመታት ብተቓዋምነት ፀኒሖም ናብ ስልጣን ዝደየቡ እዮም።

ካብዚኦም ሓደ ናይ ኬንያ ቀዳማይ ምንስቴር ራይላ ኦዲንጋ ፓርቲ እዩ።ኣማኻሪ እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብዚ ኣኼባ እዚ ተሳቶፎም ኣለው።ብኽፋል ናብ ስልጣን ዝመፀ ሲቪክ ዩናይትድ ፍሮንት ዝተብሃለ ናይ ታንዛኒያ ተቓዋሚ ፓርቲ እውን ካሊእ ዝጥቀስ እዩ።

ናይ ኢንግሊዝ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ናይ ዝኾነ ሊበራል ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣመራርሓ’ውን ተሳቲፎም።

ኣብቲ ብወፃኢ ዓለምለኸ ሊበራል ኔትወርክ ዝተሸፈነን ብኢዴፓ ኣሰናዳኢነት ዝተሳለጠን ኣኼባ ንኣፍሪካ ዝኸውን ናይ ሊበራል ማኒፌስቶ ዕላዊ ገይሩ’ሎ።

ናይ ኣፍሪካ ዘላቒ ልምዓት ክረጋገፅ ዝኽእል ፖለቲካውን ስቪኣክውን መሰላት ንኹሉ ሰብ ክረጋገፅ እንተሎ እዩ ይብል እቲ ማንፌስቶ።ምንጪ ስልጣን ህዝቢ እዩ፡ናይዚ መገልፂ’ውን ብቀዋምነት ዝካየዱ ነፃን ፍትሓውን ምርጫታት እዮም ክብል እውን ወሲኹ ይገልፅ።

እቲ ማኒስፌስቶ ዝተዳለወ ካብ ኩሎም ተሳተፍቲ ብዝቐረቡ ሓሳባት መልዐሊ ምዃኑ ናይ ኢዴፓ ፕሬዝዳንት ኣቶ ሙሼ ሰሙ ተዛሪቦም።

ብተደጋጋሚ ዘካየድናዮም ምርጫታት ናይ ኣውያት፡ናይ ዓውታን ብኽያትን እዮም ነይሮም ዝበሉ እቶ ሙሼ ‘’ስዒርና ዝተስዓርናሎም፡ብተደጋጋሚ ተዓወቲ እንከለና ዓወትና ዝተመንጠናሎም ምርጫታት እዮም።ዘይሕጋዊ ተፅዕኖታት።’’

XS
SM
MD
LG