ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንፋይናንስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ብዝምልከት ለውጢ ክተኣታተው ጸዊዖም


መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ናይሮቢ ዝካየድ ዋዕላ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝተኣከብሉ ፕረዚደንት ዝመጽእ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ለውጢ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት ዕቱብ ገምጋሞም ኣስሚዖም።

ንሶም "ዓለም ንሸቶታት ውዕል ክሊማ ፓሪስ ንምዕዋት ተካይዶ ዘላ ቓልሲ ይዕወት የለን፤ወሰኽ መጠን ዋዒ ዓለም ካብ 1.5 ዲግሪ ንዘይምውሳኽ ዝሓዘቶ ሽቶ'ውን ንምዕዋት ትቃለስ እያ ዘላ"ኢሎም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንዘይፍትሓዊ ዝኾነ ንዝበልዎ ዓለምለኸ ስርዓት ፋይናንስ ለውጢ ክግበር ፃውዒቶም ኣብዘቕረብሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ገሊአን ልዑል ዕዳ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ካልኦት ተለቃሕቲ ሓሙሽተ ዕፅፊ ዝያዳ ከም ዝኸፍላ ቅሬቶም ገሊፆም።

"እቶም ሓንጸጽቲ እንተተለቂሕኻ ንምኽፋል ኣፀጋሚ ክኸውን ገይሮም እዮም ሰሪሖምዎ። ብቕንዕና ኢና ንዛረብ ዘለና። ከመይ ገይርና ብምሉእ እምንቶ ዝወሃብ ሓገዝ ክንረክብ ንክእል ኢና ንዝብል ዘለና።"

ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ኣፍሪቃ ኣብ ምትእኽኻብ ገንዘብ ንግብረመልሲ ኣፍሪቃ ንለውጢ ኩነታት ኣየር ብዝምልከት ዝጠመተ'ዩ።

ኣፍሪቃ ግዳይ ዝያዳ ተፅዕኖ ለውጢ ኣየር እንተኾነት እውን ተመራመርቲ ግን ነቲ ሓደጋ ንምግጣም ትረኽቦ ዘላ ናይ ገንዘብ ሓገዝ 12 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ይብሉ ።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ክሳብ 2023 ኣብ ኣፍሪቃ ን15 ሜጋዋት ዘመንጩ ፅሩይ ፅዓት 4.5 ቢሊዮን ዶላር ንምሕጋዝ መብጽዓ ኣትያ ኣላ። ጀርመን እውን 482 ሚሊዮን ዶላር ክሕግዝ እየ ኢላ ።

ኣመሪካ እውን ንፃዕርታት ውሕስነት መግቢ ዝውዕል 30 ሚሊዮን ዶላር ከምትሕግዝ ሓቢራ'ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG