ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃዊ መቦቆል ዘለዎ ሕብርታትን ቅድን ናብ ምርኢት ለንደን ይቐርቡ


መንእሰያት ኣፍሪቃዊያን ፋሽን ዲዛይነራት ኣፍሪቃዊ መቦቆል ንዘለዎ ሕብርታትን ቅድን ናብቲ ብዙሓት ሰብ ሞያ ዝሳተፍሉን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝኻየድ ብናይ ኣፍሪቃ ናይ ፋሽን ሰሙን ዝፍለጥ ምርኢት ቅዲ ክዳውንቲ ( ፋሽን ሾው) ሎሚ ዓመት የቕርቡ።

ኣፍሪቃዊያን ሰብ ሞያ ቅዲ ክዳውንቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ነቲ ንዓይኒ ዝስሕብ ሕብሪን ቅዲን ዘለዎም ስርሓቶምን አቕሪቦም።

በዓልሞያ ቅዲ ክዳውንቲ ሳምሶን ሶብያ ነቲ ምርኢት ኣመልኪቱ “ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርኢት ልዕሊ 50 ዲዛይነራት ካብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ ኽኮኑ ከለው ነቲ ሕብሪን ቅድን ኣፍሪቃ ናብዚ ቦታ ኣምጺኦሞ’ዮም” ይብል።

መብዛሕትኦም እቶም ዲዛይነራት ንስርሓቶም ዝጸልው ታሪክን ባህልን ልምድታት ህዝቦም ዘንጸባራቑ ክኾኑ ከለው እዚ ድማ ነቲ ክዳውንቲ ፍሉይ መለለይ ኮይንዎ።

ኣብ ብሪጣንያ ተወሊዱ ኣብ ናይጀርያ ዝዓበየ ጎርጅ አዲሰጉን ኣብዚ ምርኢት ዝቐረበ ስርሓቱ ለውጢ ፍልማዊነት ንቕዲ ክዳን ምዃኑ ብምግላጽ ንጽባቐ ባህሊ ኣፍሪቃ ንምጽብራቕ ዝዓለመ ምኳኑ ይገልጽ።

እዚ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ፋሽን ሰሙን ንመበል ሻውዓይ ጊዜ ዝተዳለወ ኮይኑ እዚ ኢንዳስትሪ ዋጋ 31 ቢልዮን ዶላር ምኳኑ አዳለውቲ ኣቲ መደብ ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG