ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ምግቢ ትርፊ ምህርቲ ብምዕቛር ንዝተፀገሙ ምዕንጋልን ናብ ሰማይ ዝሃፍፍ ጋዝ ምንካይን ዝክኣለሉ መስርሕ ኣብ ኬንያ


ኣብ መላእ ኣፍሪካ ለውጢ ኩነታት ኣየር ተወሳኺ ፀገም የስዕብ ኣብዘለሉ ገለ ሓረስቶትን ውድባትን ነቲ ፅልዋ ንምንካይ ተስፋ ዘሕደርሉ ስጉምትታት ይወስዱ ኣለው።ኣብ ኬኒያ ሓደ ጉጅለ ጋዝ ዘመንጩ ጉሓፍ ክኸውን ዝነበሮ ተረፍ ምህርቲ ብምእካብን ብምዕቛርን ንዝተፀገሙ ክከፋፈል ዘኽእል ኣብ ዝሑል መዋህለታት ይምውል ኣሎ።

ሊሊያን ቪሀንዳ ንኣናእሽቱ ደቃ ገዓት ክተዳሊ እያ።ንግዓት ዝኸውን ሕሩጭ ዘቕረቡላ ሰራሕተኛታት ኣብ ናይሮቢ ዝተፀገሙ ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ዝተመስረተ ንትርፊ ዘይሰርሕ ውድብ ባንኪ ምግቢ ኬኒያ እዮም።

ተረባሒት ናይቲ ሓገዝ ዝኾነት ሊሊያን ኣብ ኬኒያ ኣፀጋሚ ኩነታት ቁጠባ ኣብዘለሉ ግዜ እቲ ሓገዝ ንደቃ ይዕንግሎም ኣሎ ትብል።

ንመግዝኢ እቲ ሕዚ ካብ ናይ ምግቢ ባንኪ ዝረኸበቶ ምግቢ ተውዕሎ ዝነበረ ገንዘብ ኣብ ክፍሊት ትምህርቲ ተውዕሎ ከምዘላን ዓብይ ሓገዝ ምዃኑን እያ ገሊፃ።

ነቲ ናይ ምግቢ ባንኪ ዝመርሕጆን ጋትንጉ እዚ ናይ ምግቢ መዕቖሪ ትካል ካብ ሕርሻ ናብ ኣየር ዝበንን ዝነበረ መርዛም ጋዝ ዝንኪ ተወሳኺ ምግቢ ንምውህላል ከምዘኽኣለ ይግለፅ።

‘’ኣብ ግራውቲ ዘሎ ምግቢ ኣብ ናይ ጉሓፍ መዋህለሊ ክቕመጥ ከሎ ኣብ ኣየር ብዙሕ መርዚ ትረክብ’’ ዝበለ ንሱ እቲ ምኽኒያት ድማ ኣብ መዋህለሊ ጉሓፍ ክብስብስ ከሎ ካብ ካርቦንዳዮክሳይድ ዝኸፍአ ሚቴን ከምዘምንጩን ብኽነት ምግቢ እንተተወጊዱ እንተወሓደ ካብ 6 ክሳብ 8 ምእታዊ መጠን ጋዝ ክንኪእዩ ኢሉ።

ንኩነታት ለውጢ ኣየር ዝጥዕም ስራሕቲ ምስጓም ኣፍሪካ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምክልኻል ዘኽእላ እዩ ይብል ዊኒ ካኤምባ።

ዝሃፍፍ ጋዝ፣ካርቦንዳዮክሳይድ፣ሚቴን ዝንክዩ ቴክኖሎጂታት ሕርሻን ኣጠቓቕምኦምን የድልዩና እዮም እዩ ኢሉ።

ቴክኖሊጂ ንምርካብ ግን ገንዘብ የድሊ እቲ ብድሆ ድማ ኣብዚ እዩ ዘሎ።

ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅል ዓሰርተ ዓመት ፅልዋ ለውጢ ኩነታት ኣየር ካብዘስዕቡዎ ተፅዕኖታት ንምክልኻል ዘክእሉ ስትራተጂታት ንምምዕባል ልዕሊ 300 ቢሊዮን ዶላር ከምዘድልያ ክኢላታት ይገልፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG